Home ሓበሬታ ብስራት ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ተለቭዥን ተዋህዶን ናብ ኤርትራ

ብስራት ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ተለቭዥን ተዋህዶን ናብ ኤርትራ

294
0
SHARE

ዓቢ ብስራት ንተኸታተልቲ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶን

ክቡራት ኣመንቲ፥

ካብ 1 ጥሪ 2017 ጀሚሩ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶን ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ብሳተላይት ክዝርጋሕ ምዃኑ ብሓጎስ ነበስረኩም። እዚ መደባት እዚ፥ ብሓልዮት ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብቋንቋ ትግርኛ ዝፍኖ ኮይኑ፥ ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ዘተኮረ ትምህርትን ስብከትን ዘጠቓልል መደባት ሒዙ ክጅምር እዩ።
መደብ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶ፡
• ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ወትሩ ካብ ሰዓት 6፡00 ክሳብ ሰዓት 6፡30 ኣጋምሸት ይፍኖ።
• ቀዳምን ሰንበትን ወትሩ ካብ ሰዓት 10፡00 ክሳብ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይፍኖ።
ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይፍኖ፡
• Nilesat 7° west
Frequency: 11727
Polarity: vertical
FEC: ¾
Symbol rate: 27500MB
መደብ ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶ
• ወትሩ ቀዳምን ሰንበትን ካብ ሰዓት 5፡30 ክሳብ ሰዓት 6፡30 ኣጋምሸት ይፍኖ።
መደብ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶ ይኹን ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶ ንኤርትራን ከባቢኣን ከምኡውን ንደቡባዊ ኤውሮጳ, ገለ ክፋል ማእከላይ ምብራቅን ይሸፍን
• ፈነወ ዝጅምረሉ ዕለት ሰንበት 1 ጥሪ 2017 ምዃኑ ንሕብር።
ሕቶን ርእይቶን ምስ ዝህልወኩም፥ ብቀጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዋሕዶ ናብ
admin@tewahdo.org ክትልእኩ ከም እትኽሉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
እዚ መደባት እዚ ክብሪ ኣምላኽ ዝገልጽ ንሰባት ድማ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ክኸውን ምእንቲ፥ ብጸሎት፥ ብንዋትን ሓሳብን ክትድግፉና ብኣኽብሮት ንምሕጸን።
ኣህጉረ ስብከታት: ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
15 ሕዳር 2016ዓቢ ብስራት ንተኸታተልቲ ፈነወ ሬድዮ ተዋህዶን ፈነወ ተለቭዥን ተዋህዶን

15 ሕዳር 2016

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here