Home ዜና ትግርኛ ኣነ ትገርመኒ እዛ ነቶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝወገኑ ደረፍቲ፡ “ስነ-ጥበባውያን” ኢልካ ምጽዋዕ’ያ።

ኣነ ትገርመኒ እዛ ነቶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝወገኑ ደረፍቲ፡ “ስነ-ጥበባውያን” ኢልካ ምጽዋዕ’ያ።

259
0
SHARE

ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ብ2005 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ብስፍሕ ዝበለ ጺሒፈ ኔረ’የ እሞ፡ ሕጂ’ውን ኣድላዪ ኮይኑ ስለ ዝተራእየኒ ብሕጽር ዝበለ ክደግሞ ክፍትን’የ።

ስነ-ጥበብ ማለት እንታይ ማለይ’ዩ? ስነ-ጥበብ ክሃል ከሎ በራኣእያይ ክራር፡ ጊታር፡ ኪቦርድ ወይ ካልእ መሳርሒ (instrument) ስለ ዝተጻወትካን፡ መጉልሕ ድምጺ (microphone) ሒዝካ ኣብ መድረኽ ወጺእካ ናይ ዝደረፍካን ኣይኮነን።

ኣብ ቅድሚ ካሜራ ተገቲርካ ፊልም ይሰርሕ ኣለኹ ናይ ዝበልካን፡ ካልእ ፍሉይ ተውህቦ (talent) ኣለኒ ናይ ዝበልካን’ውን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ስነ-ጥበብ ክበሃል ከሎ፡ ጎደሎ ዘይብሉ “ሙሉእ” (full package) ዝኾነ ተውህቦ’ዩ።

ቀንዲ መለለዪ ናይ ስነ ጥበባውያን እንታይ’ዩ? ሓቀኛታት ስነ-ጥበባውያን ኣብ ርእሲቲ ዘለዎም ፍሉይ ተውህቦ፡ እቲ ቀንዲ መለለይይኦም “ንፍትሕን ንሰብኣውነትን” (for justice and humanity) ደው ምባል’ዩ።

ኣብ ሓደ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ወጽዓ ክካየድ ከሎ፡ ስነ-ጥበባውያን እቶም መጀመርታ ተንሲኦም ዓገብ ዝብሉን፡ እቲ ነገር እንተቐጺሉ ድማ ምስ ህዝቦም ደው ዝብሉን፡ ንህዝቦም ኣንጻር ወጽዓ ደው ንኽብል ብጥበቦም ዘነቓቕሑን ዘለዓዕሉን በጃ ዝሓልፉን ንሶም’ዮም። ከም ኣብነት ኣብ ግዜ ቃልሲ ብስ-ነጥበባውያን ኤርትራውያን ዝነበረ ኣበርክቶ ክጥቀስ ይከኣል።

ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ሃገሮም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘጋጥም ናይ ውግእ ኮነ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዘስዓቦ ሽግር፡ ንስነ-ጥበቦም ተጠቒሞም ዘበርክትዎ ሓገዛት ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። እዚኣቶም ጥራይ ከኣ’ዮም ስነ-ጥበባውያን ተባሂሎም ክጽውዑ ዝግብኦም።

እቶም ንህዝቦም ከዲዖም ምስ ዓማጺ ስርዓት ዝወገኑ ኩሎም፡ ምስ በለጽን ድንቁርናን እምበር፡ ምስ ስነ-ጥበብን ፍልጠትን ዘተሓሕዝ ነገር ፈጺሙ የብሎምን። ነዚኦም ስነ ጥበባውያን ኢልካ ምጽዋዕ’ሞ፡ ነቲ ሞያን ተውህቦን ምንሻው ጥራሕ’ዩ። ብኣጻሩ እኳ ድኣ እዚኣቶም ኣብ ክንዲ ስነ-ጥበባውያን፡ “ሃዋርያት ስነ ድንቁርና” ተባሂሎም እንተ ዝስመዩ ምሓሸ።

እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ሓቀኛታት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራውያን የለዉን ማለት ኣይኮነን። ምስ ህዝቦም ደው ዝበሉ ብዙሓት ኣለዉ። ካብኣቶም ብዙሓት ከም ኣብነት ምጠቐስኩ። ንኹሎም ምጥቃስ ኣድላዪ ስለ ዘይኮነ ግን፡ ሓደ ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ካብኣቶም ክጠቅስ ፍቐዱለይ።

ዮውሃንስ ወዲ ትኳቦ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራውያን’ዩ። እንተዝደሊ ኔሩ ምስ ስርዓት ህግደፍ ተመሳሲሉ ጎይታ ኮይኑ ዓድን-ወጻእን እንዳበለ ክነብር ምኽኣለ ኔሩ። ወዲ ህዝብን ሓቀኛ ስነ-ጥበባውን ስለ ዝኾነ ግን፡ ኣብ ክንዲ ሓሶት ሓቂ፡ ኣብ ክንዲ ረሳሕ ሽም ጽሩይ ሽም፡ ኣብ ክንዲ ሕማቕ ታሪኽ ጽቡቕ ታሪኽ ስለ ዝመረጸ፡ ዕድል ምስ ረኸበ ምስ ህዝቡ ወጊኑ። እምበኣር እዚ’ዩ እቲ ቅኑዕን ሓቀኛን ስነ-ጥበብ!!

ብወልድኣብ ፍስሓጽየን!

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here