Home ግጥምታት መልቀስ – ድሓን ኩኒ እምበይተይ ኣሸፋሽ ራእሲ ሃይለ ዓድ ዃላ!!!!

መልቀስ – ድሓን ኩኒ እምበይተይ ኣሸፋሽ ራእሲ ሃይለ ዓድ ዃላ!!!!

227
0
SHARE

ድሓን ኩኒ እምበይተይ!!!
ኣሸፋሽ ራእሲ ሃይለ ዓድ ዃላ!!!!
መልቀስ
ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!
ወየ!!ኣነ!!!ወየ!!!ኣነ!!ወየ!!!ኣነ!!

ኣንታ እታይ ሰሚዔ ሎሚ ቕነ
ሃጽ ኢልካ ምኻድ ኮይኑ ዝዘበነ
ዳላስ ተክሳስ ብዓል እዋን ኮነ
ንእምበተይ! ክወስዳ ተወሰነ!!
እምበይተይ ኣሰፋሽ!! እዛ ዃዕናነ።

ጓልዞም ሃፀይ ጓል እዞም ነገስቲ
ጓል እዞም ራእሲ ፡ጓል ደገዝማቲ
ጓልዞም ሓገግቲ ፡ጓሎዞም ሰራዕቲ
ወለድኺ ነይሮም፡ንዓዶም መኽበርቲ
ብዓልቲ ጉልቲ፡  ብዓልቲ ርስቲ
ሕማቕ እዋን ኮይኑ፡ ጽሩይ ማይ ዘየስቲ
ንገርልና ጸገምና ፡ነቶም ወልድና ዓበይቲ
ብድሕሪኦም ነጊሶም፡ ኣብ ሃገርና ኣጋንንቲ።

እምበይተ ኣሸፋሽ ጓል ማይላፎ
ንዝመጸ ትቕበሎ ትሓልፎ ትተርፎ
ንዓቕልን ትዕግስትን ዘይተሽርፎ
እዋን ኣርኪባታ ንኹሉ ዘይትተርፎ።

እምበይተይ ኣሸፋሽ፡ ጓልዞም ዓድዃላ
ኣብ ምድሪ ሓበሻ ትውለድ ብኹላ
ኣድግና ተገልባ ኣብ ምእከላ
ደቂተሽም ሓማሴን ትበጽሓ ብኹላ
ጓል ኣድከመ ምልጋእ ሕምብርቲ ባዕላ
እንዳ ሃጸይ ተምቤን ኣብ ውሽጣ ብኹላ
ናይ ወለዶታት፡ ሕምብርቲ ዓዳ!! ዓድኻላ።

ክንዝክሮ ቁም ነገር በብሓንቲ
ግራዝማች መስፉን ኣርሒቑ ጠማቲ
ንዓኺ ኣሚኑ ወፈዮ መሰረት ፍልጠቲ
ኣብ ዓዲ ሕጊ ተኺልኩም ሓወለቲ
እንዳ ኣዝማች ዑቕቢት ተኸፍተ ትምህርቲ
ንብዙሓት ኮንኩም ናይ ፍልጠት ጀመርቲ።

እምበይተይ ካብ ኣኸለ መዓልታ
ንኹሉ ርእያቶ ዝመጸ በብተርታ
ጽቡቕ ሕማቑን ዘይብሉ መሰታ
ደቃን ደቂ ደቃን ኮኑ መሳሕቕታ
መዓርን ኣጅቦን፡ ሜስ ምስ ጋዓታ
ክንደሻዕ ክንበር፡ ይኹነልኪ ስንብታ
ዕድመውን ኣይነኣሰትን ኣካቲታ
ጸጋ ትግደፈልና ከምቲ ናታ
ሓቢርና ነፋንዋ ናብቲ ጽኑዕ ባይታ
ማርያም ዓድዃላ፡ ትቀበላ ምስ መላእኽታ።

ተኻፍሊ ሓዘን!!!!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!
ኢንድያናፖሊስ
ኢንድያና 8-12-2017

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here