Home Orthodox እቲ ዘየደቅስ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

እቲ ዘየደቅስ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

316
0
SHARE

ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእልየልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ።ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸናዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶምኦርቶዶክሳውያን፥  ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎስለዚ’ዩ።

ርግጽ’ዩ ንሕና ብጸጋ ጥምቀት ዝተወለድና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኢና። ግዳስ እዛ ቅድስቲ ቤት እዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ጥዑምለይቲ ሓዲራ ትበሃል ኣይኮነትን። ኣብ ልዕሊኣ ዘይተፈጸመ ናይ ሕጊ ግህሰት ከኣ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዘይተቐበለቶ ፈተና’ውን ኣሎክብል ዝኽእል የልቦን። ንሕና እቶም ብጸጋ ጥምቀት ዝወለደትና ደቃ ግና፥ ደሃያ ክንገብር ኣይተረኸብናን። ንኣውያታን ቃንዛኣንምረታን’ውን፥ ክንሰምዖ ጸኒሕና ኢና ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ካብ ግዜ ንግዜ እናኸፍአመጺኡ፥ ንህልውናኣ ኣብ ዝፍታተን ደረጃ ስለ-ዝበጽሐ፥ ሕጂ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን፥ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተእዊ’ያ ትስማዕ ዘላ።

እሞ ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን ደኣ፥ ነዚ ዝስማዕ ዘሎ መሪር ኣውያት፥ እንህቦ መልሲ እንታይ’ዩ-? ርግጽ’ዩ ነዚ ኣውያት’ዚ፥ግዲ ዘይብልና መሲልና ክንርአ ዝጸሕና ዉሑዳት ኣይኮናን። ሕጂ ብኸምኡ ክንቅጽል ግና፥ ዘጸብቐልና ኣይኮነን። ሎሚ ከም ሎሚ እታቅድስቲ ቤት’ውን፥ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ ኣላ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ሰዓት። እዝንና ክንዓጹን ዓይንና ክንዕምትን ኣይንኽእልን ኢና።ርግጽ’ዩ ንሕና ከም ንሕና መጠን፥ ሱር ዝሰደደ ሕመቕ ከም-ዝጸንሓና ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ንኹሉ ግን ወሰንን ደረትን ኣለዎ።ግዲ ዘይብልና ድቁሳት ኮንና ዝሓለፍናዮ ሕይወት፥ ድሕሪ ደጊምሲ መወዳእታ ክንገብረሉ’ዩ ዝግበኣና።

ብዝኾነ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን’ውን፥ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ መበገሲ ብምግባር፥ እቲ ንልዕሊ 11-ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐመዝገብ፥ ብሃንደበት ኣምጺኦም ህጹጽ መዛረቢ ኣጀንዳ ክገብሩዎ ንርኢ ኣሎና። ዝደለየ ይኹን ከኣ እቲ ተበግሶ፥ ናብ ሰላም ዘብጽሕእንተ-ዝኸውን፥ ዝጸልኦ ወይ’ውን ዝቃወሞ ሰብ ኣይምተረኽበን። እዚ ብወገን ኣሥመራ ዝርአን ዝስማዕን ዘሎ ድራማ ግና፥ እቶም ነታቤተ-ክርስቲያን ካብ 1983 ዓ/ም (1991)ተቘጻጺሮማ ዝርከቡ ዘለዉ ሰብ ፖለቲካ፥ ጌግኦም ኣሪሞም ኢዶም ከውጽኡ ዝደልዩ፥ ኮይኖምኣይንርእዮምን ዘሎና።

ከመይሲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ’ውን፥ ብምድግጋም ክፍትኑዎ ጸኒሖምስ፥ ክዕወቱሉ ዘይከኣሉ’ዮም ሕጂ’ውን፥ ንድሕሪት ተመሊሶምክደግሙዎ ዝርኣዩ ዘለዉ። ሎሚ ግን ትማሊ ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ትማሊ ዋና ስለ-ዘይጸንሖ፥ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ ወጻኢ፥ መጋበርያ ፖለቲካ ክኸውን ተገዲዱ ምጽንሑን ምህላዉን ዝፍለጥ’ዩ። እቲ ጸወታ ብኸምኡክቕጽል ከም-ዘይንደልዮ ግና፥ ንሕና እቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ግልጺ ጌርና ክንዛረብ ካብ እንጅምር ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እቶም ሰብ-ፖለቲካግና፥ ንድምፂ ሕዝቢ ናይ ምስማዕ ባህሊ ስለ-ዘይጸንሖም ግዲ ኮይኑ። እቲ ቅድሚ 11-ዓመት ዝሞተ ኣጀንዳ ሒዞም’ዮም፥ ሕጂ’ውንተዓጠቕ ተሸብሸብ ክብሉ ዝርከቡ ዘለዉ።

ከም-ዝፍለጥ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ነቲ ሲኖዶስ ከም-መጋበርያ ብምጥቃም፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ካብ ሥልጣኖምኣውሪድናዮም ክብሉ ከለዉ። እቲ መንገዲ ብኸምኡ ክኽየድ ከም-ዘይከኣል ስለ-ዝተረድኦም፥ ቅድሚ ወግዓዊ መግለጺ ምሃቦም፥ንካይሮ’ዮም በሪሮም ክኸዱ ዝተገደዱ። ከመይሲ እቲ ክወሰዱዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ስጉምቲ፥ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን መራሕቲቤተ-ክርስቲያን ግብጺ፥ ተቐባልነት ክረክብ ከም-ዘይክእል ይርድኦም ስለ-ዝነበረ እዩ። እቶም ንእምነት ብዝምልከት ተረርትን ጽኑዓትንዝኾኑ፥ ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ግና፥ ዮፍታሔ ከም-ዝሓሰቦ ብቐሊል ክታለሉ ዝኽእሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን።

እቲ ንቤተ-ክርስትያንን ምሥጢራት ቤተ-ክርስቲያንን፥ ባዕዲ ዝነበረ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ። ንኣባ ዲዮስቆሮስን ኣባ-ማርቆስንኣኸቲሉ’ዩ ኣብቲ እዋን’ቲ ካይሮ ዝበጽሐ። ኣብ ቅድሚ’ቶም ታሪኽ ብኽብሪ እናዘከሮም ዝነብር፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ቀሪቦም፥ዘምጽኣኩም ጉዳይ ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ ግና። እቶም ክልተ ጳጳሳት እቲ ጉዳይ ከም-ዘይምልከቶም፥ ወሰኖም ሒዞም ክጽግዑ ከለዉ፥ብኣንጻሩ ከኣ ዋናን በዓል-ጉዳይን ኮይኑ፥ ዮፍታሔ ክምድር ኢሉ ክጅምር ከሎ፥ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ነዚ ዓሻ ድፍረት’ዚ ክዕገሱዎ ስለ-ዘይከኣሉ“… እቲ ጉዳይ፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ዝኾነ፥ ጳጳሳት ኣብዚ ደው ኢሎም ይርከቡ እናሃለዉ፥ ንስኻ ንዓታቶም ሓሊፍካክትዛረብ መሰል የብልካን…”ብምባል፥ ኣደብ ክገብር ገኒሖም ኣፉ ከም-ዘትሓዙዎ፥ ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ።

እቶም ንዕኡ ክዕጅቡ እምበር፥ ንኽዛረቡ ተባሂሎም ዘይከዱ፥ ክልተ ጳጳሳት ተዛረቡ ምስ-ተባህሉ፥ ንኽንድ’ቲ ዝኣክል ጉዳይ ክገልጹ፥ብመሠረቱ’ውን እቲ ዓቕሚ ስለ-ዘይነበረ፥ እቲ ዝፈጠረሎም ምስንባድ ኣብ ገጾም ይንበብ ከም-ዝነበረ፥ እቶም ብኣካል ኣብኡ ዝወዓሉክገልጹዎ ይስምዑ እዮም። ኣብ ዓዲ ምስ-ተመልሱ ምዝራብ ኣብዮም ተባሂሎም ጸገም ከየኸትለሎም ስለ-ዝሰግኡ ግና፥ ዝኾነ ነገርክብሉ ኩነታቶም ከም-ዘገደዶም’ዩ ዝንገር።

በዚ መሠረት’ዚ እውን፥ እቶም ብእወንታ ዝግለጽ ታሪኽ ዘይነበሮም ኣባ-ማርቆስ “…ምስ ሲኖዶስ ተሰማሚዖም ምስራሕ ኣይከኣሉን…” ብምባል ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክኸሱዎም ከለዉ። እቶም ኣብ ኩሉ ነይሮም ዘይበሃሉ ኣባ-ዲዮስቆሮስ ድማ ኣይኪኢላቶ ኣይሲኢናቶከም-ዝበሃል “…መናፍቕ ኮይኖም ተረኺቦም። ተመለሱ እንተ-በልናዮም ድማ፥ ኣብዮሙና። በዚ ድማ ካብ ሥልጣኖምኣውሪድናዮም…” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ውንጀላ’ዮም ኣስሚዖም። እዚ ድማ ተዛሪቦም ክበሃሉ እንተ-ዘይኮይኖም፥ ነቲ ሽዕኡ ዝነበረመድረኽ ዝምጥን፥ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ነይሩዎም ዝበሃሉ ከም-ዘይነበሩ፥ እቶም ኣብኡ ብኣካል ዝወዓሉ ክገልጹዎ ይስምዑ እዮም።

ብዝኾነ እቶም ፓትርያርክ፥ ማለት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ። ነቲ እቶም ክልተ-ጳጳሳት ዝበሉዎ ምስ-ሰምዑ፥ ኣብቲ ዝተባህለንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝምልከት ጉዳይ፥ ክዝለል ዘይግብኦ ርኡይ ጌጋ ተገይሩ ምህላዉ’ዮም፥ ጸቒጦም ክዛረቡ ዝተሰምዑ። እቲ ንሶምዝበሉዎ ከኣ፡-

“…ቅድሚ ዝኾነ ኩሉ፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ክፉት ዝኾነ ጉባኤ ቀሪቦም፥ ቃሎም ክስምዑ ዘለዎም መሰል ክሕለወሎም ኣለዎ።እዚ ከኣ ኣብ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ሰፊሩ ዝርከብ ዘሎ ሕጊ’ዩ። ስለዚ እቲ ጉባኤ ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን’ውን ክትሕወሶ ስለ-ዘለዋ፥ ብድሕሪኡ’ዩ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ እንታይ ከም-ዝብሉ ሰሚዕካ ዝውሰን እምበር፥ እዚ ወሲድናዮ ትብሉ ዘለኹም ስጉምቲ፥ብመንጽር ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ክርአ ከሎ፥ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ከም ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፥ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ትማሊ ኮነ ሎሚ፥ ንዓና ሕጋዊ ፓትርያርክ እዮም…” ብምባል፥ ሓደን ዘየጋግን መልሲ ከም-ዝሃቡዎም’ዩዝፍለጥ።

እዚ ከኣ ብዝኾነ ተኣምር፥ ሰጊርካዮ ክሕለፍ ዘይግብኦ፥ ክብደት ዝነበሮ ረዚን ቃል’ዩ ነይሩ። ነዚ ርዝነት’ዚ ክመዝን ዝኽእል ልቦናዘለዎ ሰብ ግና፥ ኣብቲ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ መንበረ-ፓትርያርክ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ፥ ነቲ ቀይሕ-መስመር ሰጢጦምብምሕላፍ፥ ፓትርያርክ መሪጽና ክብሉ ተሰሚዖም። እቲ ጌርናዮ ዝበሉዎ ፓትርያርክነት ግና፥ ካብ ኣሥመራ ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦዝህቦ ኣይረኸበን። ንዓመታት ኮለል ኢሎም’ውን ከዐርይዎ ዝኸኣሉ ነገር ኣይነበረን።

ርግጽ’ዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፥ ናብ ብዙሓት ዓበይቲ ጉባኤታት ክካፈሉ፥ ዝገበሩዎ ፈተነታት ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። እንቋዕ ብደሓንመጻእኩም ኢሉ ገጹ ኣብሪሁ ዝቕበሎም ግና ኣይረኸቡን። ኣብ ብዙሕ ጉባኤታት ክሳተፉ’ውን፥ ዮፍታሔን ኣባ-ሉቃስን ዘይገበሩዎፈተነ ኣይነበረን። ሕራይ’ሉ ክኽፈት ዝኽእል ማዕጾ ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ካብ ክንደይ ጉባኤታት ከኣ፥ ተነጺጎም ክምለሱ ከም-ዝጸንሑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት’ኳ ኣብ ኮርያን ስዊስን፥ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣጋጢሙዎም እዩ። ካብ ጌግኦምክመሃሩ ዝደልዩ ኮይኖም ግና ኣይተረኽቡን።

ሕጂ ድማ እንሆ ንኽትዛረበሉን ንኽትገልጾን ብዘሕፍር ኩነታት: ምስ ሓደ ኣብ ከቢድ ናይ ሽምግልና ዕድመ ዝርከቡ ፓትርያርክ፥ክቃለሱ ይውዕሉን ይሓድሩን ኣለዉ። ብግዲ ተጋግየ’የ ኢልኩም ፈርሙ ብምባል ድማ’ዮም፥ ከጨንቑዎም ዝውዕሉን ዝሓድሩንዘለዉ። ከምኡ ክብሉ ዝኽእሉ እንተዝኾኑ ነይሮም እሞ፥ ንልዕሊ 11-ዓመት ኣብ መቑሕ ኣትዮም፥ ክጸንሑ ዘግብር ምኽንያትኣይምነበሮምን። ስለዚ ሕዝቢ-ተዋሕዶ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ኣብቲ ንግሆ ዝቘሙሉ ዕላማ ደው ኢሎም ከም-ዘለዉ’ዩ ዝኣምን።ካብዚ ወጻኢ ተዓሪቖምዶ ፈሪሞምዶ ዝብል ምድንጋር፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶን ሕዝቢ ተዋሕዶን ይቕበሉዎ’ዮም ዝበሃልኣይኮነን።

እቲ ክኸውን ዝግብኦ ቅኑዕ መስመር፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ፥ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ተዛሪቦሞ’ዮም። እቲ ጉዳይ ኣብ ግሉጽመጋባእያ፥ እታ ታሪኻዊትን ዓባይን ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን’ውን ኣብ ዘላቶ’ዩ፥ ቀሪቡ ክውሰን ዝኽእል ዝነበረ። ኣብዛ መድረኽ’ዚኣክቐርቡ ስለ-ዘሕፍሮም ግና፥ ካብ 11-ዓመት ንላዕሊ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣእትዮም፥ ከሳቕዩዎም ይርከቡ ንዘለዉ ፓትርያርክ“…ተጋግየ’የኢልኩም ፈርሙ…” ብምባል፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ከሊኦሞም ይርከቡ ኣለዉ።

ንሳቶም እቶም ሰብ-ፖለቲካ ክርድኡዎ ዘለዎም ግና። ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተወዲኡ ማለት፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶተወዲኡ ማለት ከም-ዘይኮነ፥ ክርድኡዎ ዝደልዩ ኣይመስሉን ዘለዉ። ከመይሲ ጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ዝጀመረ ክኸውን ከሎ: እታ ዓባይ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ዝኣተወት ግና ኣብ 1983ዓ/ም (1991) እያ። ስለዚ ዋናን ቀዳማይን ሕዝቢ ተዋሕዶ ዝሓቶ “…እቲ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ጽዒንኩሞ ዘሎኹም ናይ ፖለቲካ ኣርዑትኣውርዱዎ። ወይ ድማ ኢድኩም ካብ ቤተ-ክርስቲያን ኣውጽኡ…” ምባል ከም-ዝኾነ፥ ኣነጺርና ክንነግሮም እዋኑ ሕጂ’ዩ።

ብዝተረፈ በቲ “…እቶም ፓትርያርክ ፈሪሞም ወይ ተዓሪቖም…” እናተባህለ፥ ዝንገር ዘሎ ናይ ምድንጋር ቃላት፥ ሕጂ ከም ሕጂ ክዕሾዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን። ከመይሲ ንቕሓት ሕዝቢ-ተዋሕዶ፥ ኣብቲ ቅድሚ 26-ዓመት ዝነበሮ ኣይኮነን ዝርከብ ዘሎ። ሎሚእግዚኣብሔር ይኽበር-! ይመስገን-! ብዙሓት ሰብ ዲግሪ ዉልደ-ክህነት ኣብ ዘፍረናሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘሎና። ስለዚ ከኣ ኢና ትማሊክንብሎ ንኽእል ዘይነበርና፥ ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ዓው ኢልና “-ይኣክል-!!-” ክንብል ትብዓት ረኺብና ዘሎና። እዚ ግና እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ክሰምዑዎ ወይ ክርድኡዎ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ብዝኾነ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ካብቲ ቀርቂሩ ሒዙዎም ዘሎ ባዕላቶም ዝፈጠሩዎ ጸገም ክወጹ ዝደልዩ እንተደኣ ኮይኖም: እቲ ክኸዱዎዝግብኦም መንገዲ ግልጺ’ዩ። ንሱ ድማ ኢዶም ተሓጺቦም ካብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክወጹ ጥራይ’ዩ። እቲ ኩሉ ብመንገዲበዓል ናይዝጊ ክፍሉን, ደራጎን ኃይለ-መለኮትን, ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን, ኣባ-ሉቃስ ኣቢልካ ክግበር ዝጸንሐ ምትእትታው፥ ከፍርዮዝኸኣለ ነገር የልቦን። የግዳስ ውግዘትን, ኩነኔን, ተነጽሎን ከስዕብ ጥራይ’ዩ ዝተራእየ። ሕጂ ድማ በዚ መንገዲ’ዚ ቀጺልካ ክኸይድ’የምባል፥ ለባማት ዝመርጹዎ ምርጫ ከም-ዘይኮነ ጥራይ ኢና ክንነግሮም ንኽእል።

ብዝተረፈ ከምቲ እቶም ዉሉደ-ክህነትና “-ንነግር ወኢንዘብጥ-” ዝብሉዎ። ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን “…ትጋገዩ ስለ-ዘሎኹምጌጋኹም ኣርሙ’ያ…” ክትብሎም ትኽእል እምበር፥ ብረት ዓጢቓ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢላ ክትጸንሖም ትኽእል ኣይኮነትን።ክትምርቕን ክትረግምን ግና ትኽእል’ያ። ንሳ ግና ክትምርቕ እምበር ክትረግም እትደሊ ኣይኮነትን። እምበኣር ከምቲ “-ኣቅረብኩ ለከማየ ወእሳተ፥ ደይ እዴከ ሃበ ዘፈቀድከ-” ተባሂሉ ዘሎ። እቲ ምርጫ ንዓታቶም ነቶም ሰብ ፖለቲካ ዝምልከት’ዩ። መንገዲ ዕርቅንሰላምን ክመርጹ ድማ፥ ጸሎት ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ እዩ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል፥ ወለወላዲቱ ድንግል፥ ወለ-መስቀሉ ክቡር-!!!

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.