Home ዜና ትግርኛ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ወዲ ሓማሴን ኢዩ ንበሎ፡

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ወዲ ሓማሴን ኢዩ ንበሎ፡

1010
0
SHARE

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ወዲ ሓማሴን ኢዩ ንበሎ፡

ኣብ ገለ ትንተናታትን መግለጽን ብዙሓት ሰባት ብተፋላለየ መልካዓት ብጉዳይ ሃገርና ክገልጽዎ እንከለዉ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ምስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕን መከራን ንህዝብና ድፋጭኡ ዘስቲዮ ዘሎ ከተዋዳድሮ እንከለኻ ምስቲ ኩሉ እከይ ዝኾነ ኢ-ሰብኣውነት ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ዘለዎ ብሩኡይን ብግህዶን ሕጊ ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኸመይን ኣቢሉ እዩ ክነብር ኪኢሉን፡ ማዕረ ክንደይን ክሳብ ሕጂ እግሩ ኣደልዲሉ ክኸይድ ኪኢሉን ብዝብል መግለጺ ብዙሓትዮም ዝግለጽዎ።

ኣነ ብወገነይ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ ክብሎ ዝደሊ። ቀዳምነት ብውልቀይ ምስ ዝኾነ ጽልኢ ኢኹን ቅርሕንቲ ወይ ዝንባለ ኮነ ኣንነታዊ ጠባያት ብባህሪያተይን ተፈጥሮይን የብለይን። በንጻሩ እኳዳኣ ኣዕሩኽተይ ደቂ ሓማሴን እዮም። ቅድሚ ናብቲ መሰረታዊ ውልቃዊ ሪኢቶይ ምእታወይ ከማሓላልፎ ዝደሊ ኣገዳሲ ሓደ ጉዳይ ኣሎ ንሱከኣ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ነቶም ገዳይም ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብና ዓለቕቲ ኮይኖም ዘለዉ ንዖኦም እዩ ዝምልከት። ነቶም ድሒሮ ዝተሰዱ ድሕሪ 1991 ዓ.ም. ስደተኛታትን፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ክፋል ሕብረተሰቦምን እውን ዝምልከት ጉዳይ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ሓደራ ንነገራት ከይትሓዋውስዎ ክላቦወኩም ይምሕጸን። ናይቶም ሓደሽቲ ስደተኛታት ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ ከም ዝባሃል፡ ናብ ሰቦም ከም ሰቦም እንተገበሩ ዝተሓዞም ኣይኮነን፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ነገር እዚ ግን እቶም ገዳይም ኢዮም።

ቅድሚ ናብቲ ነገራት ምእታወይ ብዛዕባ ስርዓት ኢሰያስን፡ ምስኡ ዝተኣሳሰር መሕብኢ ባዓቲ ኮይኖም ዘለዉ ባእታታት ምትእስሳሮም ከብርህ ክፍትን ኢየ። ከም ዝፍለጥ ኣብ ዓለምና ብዙሓት ውልቀ-መለኽቲ ሓሊፎምን ኣለዉን። ነቲ ኢ-ሰብኣውነት ዝመልኦ ኣታሓሕዛ ህዝቦም ኢፋላለ ዳኣ ይኹን እምበር ካብቲ ኩሉ ሜላታቶም ክልተ መሰረታዊ ዓንዲ ዝኾኖኦም መሳርሒ ዝጥቀሙለን ሜላ ኩሎም ውልቀ-መለኽቲ ዝሰርሑለን ኣገባብ ኣላቶም። ዝጥቀሙለን ሜላ ጥራሕውን ዘይኮኑሲ ከንብሮኦም ዝኽእላ እንኮ እዘን ሜላ እዚኣተን ንሳተን ኢየን። ካብ ስልጣን ዝእለዩ ስለ ዘይመስሎም ኢዩ እምበር ግዜ እንተነውሐ ስልጣን ነባሪ ከምዘይ ኮነ ቡሩህ ነገር እዩ፡ ህዝቢ ኢዩ ነባሪ። እተን ዝጥቀሙለን ሜላታት ግን እዘን ክልተ ኣገደስቲ ጉዳያት ኢየን። ወተሃደራዊ ሓይሊ ምሓዝን፡ ኣብ ውሽጢ ናይታ ሃገር ዝርከብ ሓደ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ናይታ ሃገር ኣብ ጎኖም ምሓዝን ኢየን። ልክዕ ኣብ ሃገርና እዚ ጉዳይ እዚ ኣሎ። ኢሰያስ ኣፈወቂ ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ዝሰርሓሉን ዘንብሮን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሒዙን፡ ብደቂ ሓማሴን ኣቢሉ ዝጥቀመሉ ዘሎ ስልታዊ ሜላ ሓደ ንሱ እዚ ጉጋይ እዚ እዩ። ብወተሃደራዊ ሓይሊ ሸነኽ እንተ ሪኢና ጀነራላቶምን ብሪጋደር ጀነራላቶምን ናይታ ሃገር ደቂ ሓማሴን ኢዮም። ናይ ማዓርግ ጉዳይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ማዓርጎም ኢፋላለ ይኹን እምበር ሰብ-ማዓርጋት ዘለዉ ንሳቶም ኢዮም።

ኣብ ሰለዳ ዘሎ ስእሊ ተመልከት…

እዞም ሰበ-ስልጣን እዚኣቶም ኣብ ትሕቲኦም ከም ዓለባ ሳሪየት ተጣናኒጎም ደቂ ከባቢኦም ዘፍሪዎም ማእለያ ዘይብሎም ኣዲኦም ትቁጸሮም። ጽልዋ ናይዚኣቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይተረፈ ሊሒጉን ኣብ ግብሪ ዝስራሓሉ ዘሎ ነገርን ኢዩ። ሕጂውን ነቶም ድሒሮ ዝተሰዱ ድሕሪ 1991 ዓ.ም. ስደተኛታትን፡ ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ክፋል ሕብረተሰቦምን እውን ዝምልከት ጉዳይ ከምዘይኮነ ክሕብር ኢፈቱ።

ስርዓት ኢሰያስ ኣግሂዱ ምስ ደቂ ሓማሴን ተሻሪኹ ኢዘብጠና ከምዘሎ ገይሩ ክሳብ ዘየርኣየና ኢልኩም ክትሪኡን ትጽበዩን እንተሃሊኹም ዜጋታት፡ እዚ ካብ ግርህነት ዘይኮነስ ካብ ዕሽነት ወጻኢ ኢዩ ክባሃል ኢካኣል። ብዝያዳ እኳዳኣ ንኹላ ዜጋ ናይታ ሃገር ብኣልማማ ኣልሒሙ ቢሒም ዝበለ ኢታሓጎም ኢሉ ኢዘብጠና ኣሎ።

ኣብዚ ጉዳኢ እዚ፡ ደምበ ተቓውሞ ዘይፈልጥዎን ዘይራኣዮምን ኣሎ ኢዩ ክብል ግን ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ኮይኑ ኢስማዓኒ። እዚ’ኮ ሓደ ክፋል ናይቲ ቃልሲ እነካይዶ ዘለና ጸረ ውልቀ-መላሒ ነገራት ኢዩ። ደፊሮም ኣግሂዶም ክቃለስዎን ክሰርሕሉን ዘይምድላዮም ግን ከይገረመኒውን ኣይተረፈን። ብሰንኪ ጉድለት ጉሉጽነት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘይምህላዉ ብቡዙሕ ማዕዝናት ናይቲ ቃልሲ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ብሓቂ ጎሲስዎ ኢዩ ዝርከብ።

ኣብ ኣደባባይ ከም ጸሓይ ደሚቁ ዝረኤ ሓቂ ኣብዞም ገዳይም ስደተኛታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ተግባራቶም ዝሽፍነሎም ጉዳይ ሓደ ነገር ኣሎ። ኩሉ ነገር ዓቕምና እነዝብለሉ መጥቃዕቲታት ነቲ ውልቀ-መላኺ ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኢና ”ሆ” ንብሎ። ብፍላይ ንመንነቱ ዝምልከት። ትግራዋይ እንዳበልና ኢና ፖለቲከኛታትና ኢኹኑ ውልቀ ሰባት መንነት ኢሰያስ ንገልጽ። እዚ ሓረግ እዚ ኣይኮነን ዘድሊየና ነይሩ። ጉዳይ ኢሰያስ ድሕሪ ለውጢ ምምጽኡ ኢዩ መን ምዃኑ እቲ ግዜ ስለ ዝገልጾ ኣብዚ መድረኽ እዚ ኣይመድለየን ማእዝንና ሲሒትና ጥራሕ ኢና ዘለና። ነቲ ናይ ደቂ ሓማሴን ተግባራት መኸወሊ ባዓቲ ኮይንዎም ዘሎ ብሰንኪ ትግባራቶም ናይ ኢሰያስ ጉዳይ ኢዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣክንዲ ትግራዋይ’ዩ ኢልና ዓንገረር ንብል፡ ኢሰያስ ኣፈወቂ ሓማሴናይ ኢዩ ኢልና ጎስጓስ ክግበሮ ኢዩ ዝግባኣና ነይሩ። እዞም ባእታታት እዚኣቶም ኢሰያስ ወዲ ሓማሴን ካብ ዓዲ ጸሎት ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ።

ስለ ዝኾነ ብግልጺ ከነካይጎ ዝግባኣና ቃልሲ ብሰንኪ ብደቂ ሓማሴን ሃገርና ኤርትራ እዚ ኹሉ እነካይጎን እንገብሮን ብሰንኪ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክንብል ኢዩ ዝግባኣና። እቲ ሓቂ ከኣ ንሱ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር እቲ ቀንዲ መሓውራት መሓንቖ ህዝቢ ገይርዎ ዘሎ ብጉጂለ ኢሰያስ በቶም ጀነራላትን ብሪጋደር ጀነራላትን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይቶም ኣምባሳደራት ኣካላት ገዲፍካ፡ በቶም ገዳይም ስደተኛታት ተግባራቶም እስከ ንተዓዘብ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ዓለም እንነብረለን ከተማታት እስከ ከከባቢና ንፈትሽ። መን’ዩ ካብዞም ገዳይም ስደተኛታት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ምስ ደለይቲ ለውጢ ኮይኖም ዝቃለሱ። እንተለዉ ድማ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ እንተዘይ ኮይኖም፡ ምስቲ ስርዓት ተዳናገጽቲ ንሳቶም ኢዮም። ውሕዳት ሓደሓደ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎምን፡ ተበጽቲ እንታይ ገደሰና ባሃልቲ ተጎሰስቲ መሳርሕቲ ውሻላትን ዝኣመሰሉ ገዲፍካ እንተዘይኮይኑ ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ ደቂ ሓማሴን ኢዮም። ፍቆዶ ፈስቲቫላትን ባዓላትን ከም ውራዮም ተታሕዞሞ ዝርከቡን፡ ኤርትራ ማለት ንሶም ደቀባት፡ እታ ሃገር ነዖኦም ጥራሕ ትምልከቶም፡ ኤርትራ ሃገርና ከም ሓንቲ ንቡር ዘለዋ ሂወት ገይሮም ዘዕልሉላን ዝንየቱላን፡ ብዛዕባ ጸገም ህዝባ ከልዕሉ ዘይደሊዩ ዕሙት ዝኾነ ራኢ ዘለዎም ኢዮም። ኣብቶም ገዳይም ስነ-ጥበባውያን ደቂ ሓማሴን ከይተረፈ እዚ ጽልዋ’ዚ ኣሎ። እስከ ፈትሽዎም እዚኣቶምከ ኣብ ከመይ ንጥፈታት ኣለዉ። እንታይ ስለ ዝኹኑ ኢዮም?

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ዝበሉ ደቂ ሓማሴን ዜጋታት ከም ዘለዉ ከይተጠቀሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ኢዩ። ብሓፈሻ ከምቶም ካልኦት ዜጋታት ደለይቲ ፍትሒ ብመጠኑ ዘይምስታፎምን ኣብ ቃልሲ ዘይምህላዎም ኢዩ ዘዛርብ ዘሎ።

ሰላምን ራህዋን ይፍጠረሉ ህዝብና

ምንጪ ካብ፡ facebook

 

 

 

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here