Home ዜና ትግርኛ ንዝኣመነ ብሴፍ… ንዝኸሓደ ብሴፍ! (ዛንታ ሰዲግ ዘ-ባረንቱ)

ንዝኣመነ ብሴፍ… ንዝኸሓደ ብሴፍ! (ዛንታ ሰዲግ ዘ-ባረንቱ)

135
0
SHARE

ከምቲ ልሙድ ኣብ ዘዘለኹምዎ ዝኸበረ ሰላምታ ይብጻሕኹም!!

ክቡራት አንበብቲ!

ጸሓይ ዝተጨወየት ናጽነትና ዳግማይ ክሳብ ትበርቕ…”ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል..”፡ ንዓና ንኤርትራውያን ፡ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ልዕሊ ፍትሕን ርትዕን ካልእ ኣጀንዳ ስለ ዘይብልና፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ ጸላኢ ሰናያት ኣባጓይላ ህግደፍን ሒደት ሰዓብቱን፡ ካልእ ጸላኢ ስለ ዘይብልና፡ ሎሚ ውን ከምቲ ልሙድ “ዕርፈይ ኣጽኒዐ” ካልእ ድጉል ሚስጢረ ህግደፍ እንሆ ክብለኩም ደበኽ ኢለ ኣለኹ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ናይ ወዲ ሃብተስሉስ ኮምፒዩተር ምስ ዝተረኸቡ ደብዳቤታት፡ ብምስናይ ሓደ ብዛዕባ ቀጻሊ መደብ ሳክቲዝም ዝገልጽ ኣድቨርት፡ ናባኹም ዘርጊሐ ነይረ፡፡ ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ ከኣ ንኣዋርሕ ዕረ እንዳጠዓሞም፡ ንሳክቲዝም ክከታተሉ ዝጸንሑን፡ መዋእሎም ካብ ገጽ ሳክቲዝም ክንዲ ንጣር ቁልዒ ትኣክል ጌጋ ንምርካብ፡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ዝሓገዩ ሒደት ኢሳይያሳውያን፡ ያኢ! ዕላምኦም ዝሰመረ ንኽመስል፡ ካብቲ ኣድቨርት ሓንቲ “ቃል” መዚዞም ክዋራዘዩ ፈቲኖም፡፡ ምስ ግዜ ዝግለጽ ማእለያ ዘይብሉ ፍሹል ፈተነታት፡ ክፍትኑ ድሕሪ ምጽንሖም፡ እቲ ኩሉ ሰነዳትን ሚስጢራቶምን ናብ ዕዳጋ ምስ ወጸ፡ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ትም ኢሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ከኣ ኣብታ ሓጻር ብሃታ ሃታ ዘዳለኹዋ ኣድቨርት፡ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ “ብሄር” ስለዝተቐየረን ነቲ ሰብ ከም ዘይገበነኛ ዕሽሽ ብምባል ከምዝገለጽኩዎ ንምምሳል ዝከኣሎም ጸለመታት ክግዕሩ ቀኒዮም ‘ዮም፡፡

ኣቱም ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ኢልኩም፡ ዕላማን ርዝነትን ብሳክቲዝም ዝፍኖ ሓበሬታን ሰነዳትን ብምርዳእ፡ ልብኹም ኣዕቢኹም “ነታ ንጣር ቁልዒ” ንክእርማ ዝመዓድኩምኒ ዜጋታት እንዳመስገንኩ፡ ነቶም “ብደዎም ዝደቀሱ”፡ ካብ “ጸባ ማጨባ ዘፍትወሎም” ገለ ኣዳኸርቲ ግን “ንዓኹም ዝኸውን ግዜን ዝበቅዕ ጸዓትን” ስለ ዘይብልና፡ ዓቕምኹም ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ፡ ሕጂ ‘ውን ካብ “በርሃው ዝብል ሃልሃልታ” ንጣር ቁልዒ ክተናድዩን፡ ሰማዒ ዘይብሉ ጸለመታት (character assassination) ክትኣልሙ፡ ጸሓይኩም ክትዓርብ እያ ክብለኩም ይደሊ፡፡ እተን ንዓኹም ጤሳ ዝምጥዋ፡ ብደም ንጹሃት ዝጨቀዋ፡ ኣእዳው ኣባጓይላን ሰዓብቱን፡ ንዘላኣለም ዝቑረጻሉ ርህው ዘመን ርሑቕ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ምስጣም ኣብ እትርከብ ጃልባ ምልኪ ተሰቒልኩም፡ ንዘይጠቅም ትካቦ ኢልኩም፡ ሕድሪ ስውኣት ጠሊምኩም፡ ስምረትን ሓድነትን እቲ ውጽዕ ህዝብና እትዘርጉ፡ ሕንዛም ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ እትነዝሑ፡ ብኣዋጅ “ንኺድ ጥራይ” ናብ ድቕድቕ ደልሃመት እትምርሹ ዘለኹም ናይ ታሪኽ ሓተላታት ሕጂ ‘ውን… ወይለኹም! …ወይለኽን!

ክቡራት ኣንበብቲ!

ሎሚ ንህልው ኩነታት እሱራት ማይስርዋ ዝምለከት ሓበሬታ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ሓጺር መእተዊ ሸው ኣቢለ ክሓልፎ ዝመረጽኩ እንተኾነ ብሰንኪ ስዒቦም ዝመጹ ደፋእቲ ምኽንያታት ንበይኑ ከዳልዎ ከዳልዎ፡ ብዛዕባ ዝተገደድኩ ናይ ሓደ ሰዲግ ዝተብሃለ፡ ብ24 ግንቦት 2004 ኣብ ባረንቱ ቡምባ ኣፈንጂሩ ንጹሃት ዜጋታት ዘህለቐ፡ ውልቀ ሰብ ሓበሬታ ምስ ተወሳኺ ትንተናታትት ከቕርበልኩም፡፡

ብዓይኒ ሓቂ ምሳይ ዝርከብ ሰነዳትን፡ በቢእዋኑ ብዝተፈላለዩ መገድታት ዝበጽሓኒ ሓበሬታ ተወሳኺ መብርሂ ዘድልዮም ኣይኮኑን፡፡ ንዓይ’ውን ዝኾነ ዓይነት ትንተናን መብርህን ከይወሰኽኩ ናባኹም ምቕራብ ኣዚዩ ቀሊልን ምቹእን‘ዩ፡፡ እንተኾነ በቢእዋኑ ብኢምቦክስ ካብ ዝለኣኹለይ ሕቶታትን ሓፈሻዊ ስነ-ኣእምራዊ ኩነታት ህዝብናን ብምግንዛብ፡ ነቶም ጽሑፋት ብዝተኸኣለኒ መጠን ንኹሉ ዓይነት ኦዴንስ (ኣንባቢ) ብዝጥዕምን ብዝምጥንን ቀሊል ኣቀራርባ ትንተናታትን ሓዊሰ ከቕርበልኩም ጸኒሐ እየ፡፡ ሎሚ ውን ጉዳይ ሰዲግ ገለ ተወሳኺ ትንታነ ዘድሊዮ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ምስ ትንታነታቱ ናባኹም ይዝርግሖ ኣለኹ፡፡

ኣብ ሓደ ቅዋማዊን ዲሞክራሲያዊን ስርዓተ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር፡ ማዕርነት ደቂ ሰባት ኣብ ትሕቲ ጽላል ልዕልና ሕጊ ይምርኮስ፡፡ ልዕልና ሕጊ ድማ፡ ምስ ምቋም ዲሞክራሲያዊ ትካላት ተኣሳሲሩ ዝትግበር ቀንዲ ዕማም መንግስቲ ይኸውን፡፡ ቅዋም፡ ብሳይንሳዊ ጭብጥታትን ማዕርታዊ ተሳትፎ ህዝብን፡ ምስ ዝንደፍ፡ ንኹሎም ዜጋታት ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር፡ ብማዕረ ዘገልግል መንህብ ካልኦት ሕግታትን፡ ምንጪ ስነ-ኣእምራዊ ምዕባለ ዜጋታት ዝኾነ እቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ሰነድ ይኸውን፡፡ ብመንጽር’ዚ ኣብ ሞንጎ’ተን ቅዋማዊ ስርዓት ዝሃነጻ ሃገራትን፡ ዲክታተራዊ ስርዓት ዝቖመለን ሃገራትን፡ ዝረአ ስርዓተ ምሕደራን ስነ-ኣእምራዊ ብልጫታት ደቂሰባትን፡ ናይ ሰማይን መሬትን ኣፈላላይ ኣለዎ፡፡ ኣብ ሃገርና ውን ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ቅዋምና ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ፡ ዝስዓበ ባርባራዊን ፋሉላዊን ስርዓተ ምሕደራ ህግደፍ፡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ሕግን ትግባሪኡን ዘለና ጠመተ ብመንጽሩ ሃሲይዎ ‘ዩ፡፡ ሕጊ ንዝኾነ ገበነኛን ንሕ/ሰብን ናይ ምህናጽ ዕላማ እምበር፡ ናይ “ሕነ ምፍዳይ”መስርሕ ከምዘይኮነ ናይ ሕጊ ሳይንስ (Jurisprudence) ይሕብር፡፡ ሎሚ ዘልዕሎ ጉዳይ ውን ገበነኛታት ብዘይፍርድን ፍርዳዊ መስርሕን (Due process of law) ብኸውሊ ዝጥፍእሉ ነዊሕ ዝተጓዓዘ ፋሉላዊ ኢሳይያሳዊ መስርሕ ‘ዩ፡፡

ካብ 1993 ክሳብ 2004 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ህግደፍ ማዕረ ማዕረ ብ”ወራር ወያነ” ካብ ዘመሳምሶም ጉዳያት ሓደ፡ ጉዳይ “ጀሃድን 5ይ መስርዕን” ነይሩ፡፡ ከምቲ “ወዶ ገባን ሃሱሳት ወያነን” ተባሂሎም ብዙሓት ዜጋታት ዝሓቐቑ፡ ኣብቲ እዋናት ብምስምስ እስላማዊ ጥሩፉነትን “ጀሃድ”ን ተሰሚዮም ዝሓቐቁ ዜጋታት ውን ብዙሓት’ዮም፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ እስላማዊ ዝንባለታት ዝነበሮም ስግኣታትን ስርሒታትን ኣይነበሩን ንምባል ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ መብዛሕትኦም በዞም ምኽንያታት ዝተወስዱ ስጉምታት፡ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ን“ተጻባእቲ ዜጋታት” ንምሕቓቕን ዕምሪ ስልጣን ኢሳይያስ ንኸናውሕን ዝተጠቐመሉ ቀንዲ ሜላ እውን ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ መታሕት (ዞባ ጋሽባርካን ከባቢታት ሳሕልን)፡ ኣንጻር ጀሃድ ዝተፈጸሙ ስርሒታት፡ ብስውር ሽጣራታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ቤ/ጽ ፕረዚዳንትን ዝተብዓጡ ኔሮም፡፡ ኣብ ካልእ እዋን ብዛዕባ ጀሃድን 5ይ መስርዕን ብዝርዝር ከምዝጽሕፍ ቃል ብምእታው ሎሚ ናብቲ ቀንዲ ዓውዲ ከስግረኩም፡፡

ኣንጻር “ጀሃድ” ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ስርሒታት፡ ካብቶም ጎሊሖም ዝወጹ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓደ መብዛሕትና “ኣቡ ጠዊላ” ኢልና ብሳጓኡ ንጽውዖ፡ ሙሉእ ስሙ ሌ/ኮ ዕሱማን መሓመድ ዓሊ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ‘ዩ፡፡ ኣቡጠዊላ ብስም “ጃሃድ” ንመሳርዑ ኣዋፊሩ፡ ዘጥፍኦም ሰባት ብዙሓት ስለዝነበሩ ብፍላይ ኣብ ጋሽ ባርካ ሳሕልን ኣዚዩ ውሩይ ኔሩ፡፡ ዋላ “ጀሃድ” ከም ሓደ ሃገራዊ ጸጥታዊ ብድሆ ተገይሩ፡ ኣብዘይ ሕሰበሉ እዋናት’ውን፡ ኣቐዲሙ ብዝረኸቦ “ህቡብነት” ተጠቒሙ፡ ብዙሓት ሰባት ኣበሳቢሱን ኣጥፊኡን፡፡ ኣብ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ካብ ዝርከቡ ሰነዳት ኣቡጠዊላ፡ ካብ 1993 ክሳብ 2010 ብሓፈሻ ብስም “ጀሃድ” ሓበሬታ ዘቕብልዎ 67 ውዱባት፡ ወኪላትን ተሓባበርትን ነይሮምዎ፡፡ ካብዞም 67 ኣቐበልቲ ሓበሬታን ተጸናጸንትን፡ ሓደ ብሚስጢራዊ ኮድ ቁጽሪ Z4/TE/0081 ዝተመዝገበ ምንጪ ሓበሬታ ድማ ሰጊድ መሓመድከሊፋ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ‘ዩ፡፡ እዚ ሰብ ዘቕርቦ ዝነበረ መብዛሕትኡ ሓበሬታ 3BZMS ተባሂሉ ዝፍለጥ ሚስጢራዊ ደረጃ ዝተዓደሎን፡ ምስ ምንቅስቓስ ጀሃድን ብሄረ ናራን ኩናማን ዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ‘ዩ፡፡

እዚ ሚስጢራዊ ተሓባባሪ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ጋሽ ባርካ፡ ምብራቕ ሱዳንን ምስ ዝነበሩ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ሌላ ከምዝነበሮን ብፍላይ ምስ “ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ” ዝበሃል ውድብ ርክብ ከምዝነበሮ ኣብ ጸብጻባቱ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ፡፡ እምበኣር እዚ ሰብ እዩ ብ24 ግንቦት 2004 ኣብ ባረንቱ ተቐጻጻሊ ፈንጂ (TNT) ኣቐሚጡ ብዙሓት ንጹሃን ዜጋታት ዝቐዘፈ፡፡

ድሕሪ ባይታን ታሪኽን ሓደ “ገበነኛ” ብምትንታን ግዜ ከጥፍእን፡ ነቶም ስድራቤት ግዳያት መሊሰ ናብ ሓዘን ከእትዎምን፡ ድሌት የብለይን፡፡ ላኣኺኡ ብዘየግድስ፡ እዚ ሰብ ብዘፈንጀሮ መርዛም ሓሩጭ ብዙሓት ዜጋታት ሞይቶምን ሰንኪሎምን ‘ዮም፡፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ስድራ ግዳያት’ውን እቲ ፍጻመ፡ ከቢድ ሓዘንን ሃሰያን ሓዲጉ ምሕላፉ ርዱእ ‘ዩ፡፡ ብዝኾነ ነዚ ብሓጺሩ ሰጊድ ወይ ከኣ “ሰዲግ” ኢልና ንጽውዖ ገበነኛ ዘዋፈሮ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ዝተመደበ፡ ድሕሪ ናጽነት ብዝተፈላለዩ ስርሒታት ልዕሊ 20 ዝኾኑ “ኣባላት ጀሃድ” ዝቐተለ፡ ኣብ 2011 ብሰንኪ ብ/ጀ ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ተኣሲሩ ናብ ኣደርሰር ዝተጓሓፈ ሌ/ኮ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ጠዊላ ‘ዩ፡፡

እቲ መደብ’ውን፡ በቲ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እናዳዛየደ ዝመጸ ዓለም ለኻዊ ጸቕጥታት፡ ኣንፈቱ ንምቕያር፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ‘’ስሉሳዊ ተጻብኦታት ሃገራት’’ (Axis of belligerence ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን የመንን) ከምዘሎ ንማሕበረሰብ ዓለምን ኣህጉራዊ ውድባትን ንምእማን ተባሂሉ፡ ብኢሳይያስን ብብ/ጀ ኣብርሃ ካሳን ዝተሓንጸጸ መደብ ኔሩ፡፡ ኣብ ዝርዝር ኣፈጻጽምኡ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ “ጀሃድ” ዝለዓለ ተሞኩሮ ዝነበሮ ኣቡጠዊላ ክዋሳእ በቲ እዋን ተወሲኑ፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ እቲ መደብ ምስተዓደሎ፡ ኣቡጠዊላ ካብቶም ዝበለጸ ሓበሬታ ዘስንቕዎ ዝነበሩ ተሓባበርቱ ሓደ ንዝነበረ ሰዲግ ሓሪዩ ብምእማን፡ ነቲ መስርሕ ክፍጸም ገበሮ፡፡ ኩላትና ከምንዝክሮ በቲ እዋን ኣብ ሰራዊትን ህዝባዊ ምሕደራን “በዓል ናጽነትና ንኽጽዩቑ ወያነን ሱዳንን ህርድግ ይብሉ ኣለዉ” ዝብል ጎስጓስ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዝጋወሓሉ እዋን ኔሩ፡፡ ዓሊ ዓብዱ’ውን ንመምርሒታት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተቐቢሉ፡ በቲ እዋን ኣብ ሚ/ሪ ዜና፡ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳዊ መደባት ክፍኖ ኣዚዙ ነይሩ፡፡ ኣቐዲሙ ኤምባሲ ኣመሪካ ውን ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ኣሜሪካውያን ዜጋታት “ግብረ ሽበራዊ ስርሒት ክፍጸም ስለዝኽእል” ቅድመ ጥንቃቐ ክገብሩ ሓቢሩ ነይሩ፡፡

ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ድሕሪ መጋረጃ ፍጻመታት ደበኽ ዝበለት 24 ግንቦት 2004፡ ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ ኣብ ባረንቱ ብሰንኪ ሓደ ተሓባባሪ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ንዘለኣለም ቀዚፋ ሓለፈት፡፡ ባዕሉ ነቲ ልኡኹ ዝፈጸመ ሰዲግ ውን በቲ እዋን ተወጃቢሩ ስለዝነበረ፡ ነቲ ስርሒት ንዘይግበኦ ጅምዕ ንዝተብሃለ ሓው “መንግስቲ ሞሰኦም ከምዝኸፍሎም” ብምሕባር ነቲ ስርሒት ብሓባር ንኽፍጽምዎ ኣእመኖ፡፡ ሓው ጅምዕ ዋላ ክተሓባበሮ እንተተሰማምዐ፡ ግቡእ ስልጠና ስለዘይተውሃቦ፡ እታ ነታጊት ኣብ ተሰነይ ኣብ ልዕሊኡ ተፈንጂራ፡፡ ሰዲግ ድማ ነታ ስርሒት ፈጺሙ፡፡ እዚ ኹሉ ክግበር እንከሎ ኣብርሃ ካሳ ምስ ፕረሲዳንት ብዛዕባ’ቲ ስርሒት ሓበሬታ ይለዋወጡ ነይሮም፡፡ ድሕሪ ፍጻመ ውን “ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ኤርትራ” ነቲ ስርሒት ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ሓላፍነት ከምዝስከም ሓቢሩ፡፡ ብዓይኒ ሓቂ ክረአ እንከሎ ግን፡ እቲ ውድብ ነቲ ፈጻሚ (ሰዲግ) ከም ኣባል ስለ ዝፈልጦ ጥራይ እምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ስርሒት ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ኣይነበሮን፡፡ ሰዲግ ብክልተ ማንካ ዘልምጽ፡ ኣገልጋሊ ክልተ ኣካላት (double agent) ከምዝነበረ’ውን እቲ ውድብ ክሳብ’ዛ ዕለት ዝፈልጥ ኣይመስለንን፡፡

ድሕሪ ግበረሽበራዊ መጥቃዕቲ ባረንቱ፡ ሰዲግ “ተታሒዙ” ምስ ኣቡጠዊላን ገለ ኣባላት ጸጥታን ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ተላኢኹ፡፡ ሓው ጅምዕ ከኣ፡ ቀዳማይ ረዲኤት ምስተገብረሉ ድሕሪ መዓልታት ሞይቱ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ብጀካ ሓላፊ ክፍሊ ምርመራን ምጽራይን ውሽጣዊ ጸጥታ ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ወዲ በየነ)ን መርማሪ ሜጀር ፍስሃጽዮንን ዘዘራረቦን ዝመርመሮን ሰብ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ኤረ ቲቪን ድምጺ ሓፋሽን ቀሪቡ፡ ክዛረቦ ዝግባእ ነገራት ዝሓበርዎ ’ውን እዞም ክልተ መርመርቲ ኔሮም፡፡ ከምቲ ዝሰማዕናዮ ድማ ድሕረ ባይትኡን፡ መን ከምዝለኣኾን ሓዊሱ፡ ብቀጻሊ ኣብ ኣስመራ መነሃርያ ነታጊ ክገብር መደብ ከምዝነበሮን ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ድሕሪ “መርመራ” ከቢድ መጠንቀቕታ ተዋህብዎን፡ ዝግበረሉ ሓለፈታት ተሓቢርዎን፡ ብቐጥታ ኣብ ካርሸሊ ተዳጊኑ፡፡ ኣብ ካርሸሊ ኣንጻር ናይ በዓል ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ንሸነኽ ምዕራብ ኣብ ትጥምት ካሜራ፡ ፈለማ ምስ በዓል ወዲ ሃይለ (ኣብ እንዳ መጓዓዝያ ዝነበረን ድሕሪ 3 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈትሐን)፡ ደሓር ከኣ ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ሸላ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2006 ተሓይሩ ጸኒሑ፡፡ ብፍላይ ድሕሪ 2006 ናብ ጽላለ ገጹ እንዳምርሐ፡ ሃተፍተፍ ምባል ኣብ ዝጀመረሉ እዋናት፡ በቢእዋኑ ኩነታት እሱራት ካርሸሊ ብደቅቕ ጸብጻብ ዝለኣኸሉ ዝነበረ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ኣብ 2006 ስጉምቲ ንክውሰደሎም ካብ ዝተወሰኖም ገለ ሱዳናውያን ዝርከብዎም ኣባላት “ጀሃድ” እሱራት ሓደ ክኸውን ተወሲኑ፡፡

ብ13 ሰነ 2006 ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ERG 1220 ዝብል ሰሌዳ ብዘለዋ ጻዕዳ ሚኒባስ፡ ሚሸት ሰዓት 10፡00 ንሰዲግ ክትወስድ ናብ ካርሸሊ ተላኣኸት፡፡ ሓላፊ ካርሸሊ ሜጀር ኣቶብርሃን ገብረሃንስ ነቲ እሱር ኣረኪብዎም፡፡ ልክዕ ሰዓት 10፡30 ኣብታ መኪና ዝነበሩ ኣባላት ስጉምትን ዓፈናን፡ ገጹ ብማስኬራ ሸፊኖም፡ ናብ ቤ/ጽ ምምሕዳር ቴራቬሎ (ኣብዚ እዋን ቤ/ጽ ምምሕዳር ቴራቬሎ ኮይኑ ዘሎ በቲ እዋን ኣብ ትሕቲ ሌ/ኮ ግደ ፍስሃየ ቤ/ጽ ምክትታል ወጻኢ ጉዳያት ዝነበረ) ወሲዶምዎ፡፡ ኣብዛ ዕለት፡ ነቲ እሱር ካብ ካርሸሊ ናብ ቴራቬሎ ዝወሰድዎ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ሜጀር ፍስሃጽዮንን ተስፋልደት ዝተብሃለ መራሕ መኪና ምንባሮም፡ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተልኣኸ ኦፕረሽናል ጸብጻብ ይሕብር፡፡ ልክዕ ሰዓት 1፡00 ለይቲ ምስኮነ፡ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ብብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል፡ ዝተልኣኹ 3ተ ኣባላት ስጉምትን ዓፈናን፡ ነቲ እሱር ምስ ሜጀር ፍስሃጽዮን ብሓባር ካብቲ ቤ/ጽ ኣወጺኦም፡ ናብታ መኪና ሰቒሎም ናብ ኤክስፖ…ጎዳይፍ…መስመር ደቀምሓረ ሒዞም ኣብ ከባቢ ዓዲኣርዓዳ ጉዋ በጺሖም፡፡

እቶም ነቲ እሱር ኣብቲ ሰዓት ሒዞምዎ ዝኸዱ ኣባላት ዝስዕቡ እዮም፡፡ (እዞም ኣባላት ንመብዛሕትኦም ብስም “ጀሃድ” ስጉምቲ ዝተውስደሎም ሰባት ዝምልከት፡ ልዕሊ ኹሉ ኣፍልጦ ዘለዎም ናይ ጽባሕ መሰኻኽርን ገበነኛታትን ብምኻኖም ደጋጊመ ይገልጾም ኣለኹ፡፡)

  1. ሜጀር ዓብዱሰላም ጌቱ መበቆል ዓዱ፡ ዓዲኳላ መንበሪኡ፡ እንዳ ኮርያ
  2. ሰርጌንቲ ግርማይ ሓጎስ መበቆል ዓዱ፡ ሰገነይቲ መንበሪኡ፡ ቴራቬሎ
  3. ሜጀር ፍስሃጽዮን መበቆል ዓዱ፡ ደቀምሓረ መንበሪኡ፡ ኣስመራ (ከባቢ እንዳ ፓስታ)
  4. ተለንተ ተወልደ (ራሻይዳ) መበቆል ዓዱ፡ ደቂ ሸሓይ መንበሪኡ፡ ቴራቬሎ እዮም፡፡

ኣብቲ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተልኣኸ ጸብጻብ ዝርከብ ሙሉእ ሓበሬታ ምግላጹ ብዙሕ ስለዘየግድስ እቲ ኣብ ባረንቱ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ዝቐዘፈንን ዘሰንከለን ሰጊድ መሓመድከሊፋ (ሰዲግ) ኣብዛ ዕለት በዞም ኣባላት ኣብ ጎላጉል ግዋ ብበትርን ብማሕነቕትን ተቐቲሉ ተቐቢሩ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

ቅዋም ኣብዘይብሉ ሃገር፡ “ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኻሓደ ብሴፍ” ዝዓይነቱ፡ መስርሕ ፍትሕን ፍርድን ይስዕብ፡፡ እዚ ኣብ ባረንቱ ከቢድ ገበን ዝፈጸመ ዜጋ፡ ዋላ ግዳይ ስውር ስለያዊ መስርሕ እንተነበረ’ውን፡ ብመንጽር ሕጊ ካብ ተሓታትነት ኣይድሕንን፡፡ ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ዝምጥን፡ ስድራ እቶም ግዳያት ዝድብስን፡ ንህዝቢ ዕላዊ ዝግበር ሕጋዊ ፍርዲ ክፍረዶ ይግባእ ነይሩ፡፡ እንተኾነ፡ “ኩሉ ባዕለይ” ኣባጓይላ ኢሳይያስ “ባዕሉ ላኣኺ ባዕሉ ፈራዲ” ስለዝኾነ፡ በዓል ሰዲግን ካልኦት ብዙሓት “ገበነኛታት”ን ብኸምዚ ዓይነት ኣግባብ ብጻላም ጠፊኦም’ዮም፡፡ ክብ ኢለ ከምዝገለጽክዎ፡ መሰረታዊ ኣምር ስነ-ሕጊ “ሕነ ምፍዳይ” ኣይኮነን፡፡ ሕነ ምፍድዳይ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ካብ ገበን ናጻ ዝኾነ፡ ፍትሕን ርትዒን ዝነግሰሉ፡ ሕብረተ ሰብ ክህነጽ ኣይክእልን፡፡ ጽባሕ “ጸሓይ ሓርነት” ምስ በረቐትልና፡ ብከምዚ ዓይነት ኣግባብ እትምራሕ ኤርትራ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ክረክብ የብልናን፡፡ ዋላ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምስዘጋጥም፡ ብግሉጽነትን ብፍርዳዊ መስርሕን እቶም ገበነኛታት ፍርዶም ክረኽቡ ብምግባር፡ ስነ-ኣእመራዊ ብልጫታትን ክብርታትን ዘለዎ ሕ/ሰብ ክንሃንጽ ይግባእ፡፡

ነዚ ጽሑፍ ከዳልዎ እንከለኹ፡ ብዘይምኽንያት “ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ ብሴፍ” ዝብል ርእሲ ኣይሃብኩዎን፡፡ እቲ ቀታሊ “ጀሃድ” ተባሂሉ ንህዝቢ ጋሽባርካ ንዓመታት ዘበሳበሰ፡ እሙን ልኡኽ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ሌ/ኮ ዑስማን መሓመድ (ኣቡጠዊላ) እውን መወዳእትኡ ካብ ሰዲግ ብዙሕ ዝተፈልየ ኣይኮነን፡፡ ኣብ 2010 ኣዛዚ ሰሜናዊ እዚን ምክትታል ዶባትን፡ ከምኡ’ውን ላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ ዕጡቋት ጉጅለታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ኣዛዚ መኸተ ዞባ ምዕራብ ዘሎ፡ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ)፡ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣደርሰር ካብ ዝጉሕፎ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡

በቲ እዋን ኣቡጠዊላ፡ ንተኽለ ማንጁስ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ንማእከላይ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ብቐጻሊ ይልእኽ ነይሩ፡፡ ንኣብነት ተኽለ ማንጁስ ኣብቲ ዞባ ዝነበራ ካብ ኢትዮጵያ ሰጊረን ዝተተሓዛ ጥሪት ሸይጡ ከምዝተጠቕመ፡ ኣብ ሱዳን (መሰቱራ) ምስ ዝነበሩ ቀርሰንቲን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ዝነበሮ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዝምልከት ምስ ሓላፊ ጸጥታ ጋሽባርካ ዝነበረ ሌ/ኮ ኪዳነ በርሀ (ርእሶም) ብምኻን ጸብጻባት ኣዳሊዮም ይልእኹ ኔሮም፡፡ ካብዞም ናእሽቱ ቆጣቑጢ፡ ነቲ ዓቢ ዓሳ ዝመረጸ ፕረሲዳንት፡ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተዓቂቡ፡ ንተኽለ ማንጁስ፡ ብዛዕባ ነፍሰወከፍ ተግባራቱ እንዳልዓለ ይህድዶ ስለዝነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ጎብለል ዞባ ምዕራብ ተኽለ ማንጁስ፡ ብሓደ ብፊላንሳ ኣብ ተሰነይ ዝተቐተለ ነጋዳይ ብዘጋጠመ ዕግርግርን ካልእን ኣመሳሚሱ፡ እሙናት ኣባላቱ ሊኢኹ፡ ኣቡጠዊላ ተጨውዩ ሓታቲ ኣብ ዘይብሉ ናብ ጸልማት ጎዳጉዲ ኣደርሰር ክጓሓፍ ገበሮ፡፡ ትማል ከምቶም ካልኦት “እሙን” ተባሂሉ፡ ኣብ ስውር ኢሳይያሳዊ ገበናት ዝተቖማጥዐ ኣቡጠዊላ ‘ውን፡ “ቅያታቱ” ኣብ ቋሕ ሰም ተረሲዑ፡ ከም በዓል መስጦፋ ኑርሑሴን እታ ዘይተናሕሲ ኢድ ጠላም ኢሳይያስ ኣርኪባቶ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

ከም ሳክቲዝም ንሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ከኣ ጉጅለ ንምምጓስ ወይ ከኣ ንምኽዓብ ኢለ ዝጽሕፎ ጽሑፍን ዝዝርግሖ ሓበሬታ የለን፡፡ ብዓቕመይን ብተሞኩረይን ኣንዳዕዲዐ ዝፈልጦ ንሓፋሽ ዘንቅሕን ዘበራብርን ካብ ምፍናው ሕጂ ውን ዓዲ ኣይውዕልን፡፡ ከም “ሽንፍላ” ተሓጺቡ ዘይጸሪ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቢእዋኑ ኣብ ሃገርና ዝፈጸሞም ገበናትን ሽርሒታትን፡ ብመንጽር ክውል ዕላማታቱን ባህሪታት ኢሳይያስን፡ ምርዳእን ፍርዲ ምሃብን እምበር፡ ጫፍ ናይ ሓደ ክውንነት ሒዝካ፡ ናብ ዘይውዱዕ መደምደምታ (Hasty generalization) ክንበጽሕ የብልናን፡፡ ካብ ጎቦታት ሳሕል ጀሚሩ ዝነበረ ታሪኽ ‘ዩ ሕጂ ‘ውን ዝቕጽል ዘሎ፡፡ ልሙድ ሽጣራታትን ዝበለየ ሜላታት ኢሳይያስን፡ ንዝተረድኦ ሰብ ብምስምስ “ጃሃድ፡ 5ይ መስርዕ፡ ወያነ፡ ስርዓት ዋሽንግተን ካልኦትን” ዝተወሰዱ ስጉምታት ኣብ ሜዳ ብምስምስ “መንካዕን የሚንን” ካብዝውሰዱ ዝነበሩ ስጉምታት ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን፡፡

ኢሳይያስ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል፡ ንሰባት ዝተፋላለየ ሰሌዳታት ጠቂዕኻ ምጥፋእን፡ ኣጀንዳ ፈጢርካ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ምድንጋርን ንኣስታት 50 ዓመታት ዝመለኾ ብሉይ ሰይጣናዊ ሜላ ስለዝኾነ፡ ሕጂ’ውን “ብኣዋጃት ንኺድ ጥራይ” ከይተዳህለልና ንሓርነት ኣብ ነካይዶ ኩሉንትናዊ ቃልሲ ንስመር፡፡

ወደሓንኩም!!

ምንጪ ካብ SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here