Home ዜና ትግርኛ ሰሙናዊ ሸበድበድ ጉጅለ ህግደፍ – እዋናዊ ዛዕባ

ሰሙናዊ ሸበድበድ ጉጅለ ህግደፍ – እዋናዊ ዛዕባ

106
0
SHARE

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ሎሚ፡ ነቲ ብውሽጥን ብወጻእን፡ ብሓያል ህዝባዊ ተቓዉሞታት እንዳተሓመለ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍን ህልው ኩነታት ሃገርናን ዝምልከት ሓበሬታ ከም እዋናዊ ዛዕባ ይፍንወልኩም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ከምዝሓበርኩኹም፡ ብስንኪ ምቕያድ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዝተጀማመረ ተቓዉሞ ቤት ትምህርቲ ዳእያ፡ ብዙሕ ህዝቢ ስለዝሰዓቦን ኣዚዩ እንዳታገፍሐ ብምኻዱን፡ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ንኡሳን ዞባታትን ምምሕዳር ዓድታትን፡ ዝተዘርግሑ ናይ ጸጥታ ውዳቤታት ኣዋፊሩ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብዙሓት ኣመንቲ እስልምናን መራሕቶምን ክከታተል ከምኡ ውን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ተቓዉሞ ዝተሳተፉ ዜጋታት ክለቅም ቀንዩ እዩ፡፡

ካብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ክሳብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ተወርዋሪ እዝን፡ ብዝተወደበ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢ ኣስመራን ዝተቐየዱ ብዝሒ እሱራት ብጠቕላላ 541 ‘ዮም፡፡ እዞም ቅዩዳት መብዛሕትኦም ብኣባትር ዝቆሰሉን ዝተዳኸሙን ኮይኖም፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ 11 መደብራት ፖሊስ (7 ኣብ ኣስመራ ከምኡ ውን ኣብ ጻዕዳ ክርስትያን፡ ሰረጀቓን ዓዲ ጓዕዳድን) እዮም ተሓይሮም፡፡ ብተወሳኺ ብዙሓት ዜጋታት እውን ኣብ ዓዲኣቤቶ፡ ማይ ሑጻ፡ ካርሸሊ ተሓይሮም ኣለው፡፡ ፈለማ ብኣልማማ ኣብ ዝተኻየደ ግፋን ወፍርታትን ዝተቐየዱ ትሕቲ ድዕመን ውሑዳት ኣቦታትን፡ ተቓዉሞ ምስ በርተዐ ተፈቲሖም እዮም፡፡ ንሓጂ ሙሳ ሓዊሱ፡ እቶም ብዕለት 31 ዝተሓየሩ “ቀንዲ ተሳተፍቲ” ዝተብሃሉ ዜጋታት ግን ሕጂ ውን ኣብ ቀይዲ ኮይኖም ዝተፈላለዩ መርመራን ምጽራይን ይግበረሎም ኣሎ፡፡

ኣብቲ መርመራን ምጽራይን ዝተመደቡ መርመርቲ፡ ዝስዕቡ ‘ዮም፡፡

  1. ሜጀር ካሕሳይ በየነ (ካብ ውሽጣዊ ጸጥታ ምስ 5 ኣባላቱ)
  2. ሜጀር ብርሃነ ከበደ- ወዲከበደ (ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ)
  3. ሚኪአለ ኢሳቕ ( ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ)
  4. ካሕሳይ ሃይለ- ወዲሃይለ ( ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ)
  5. ኣምባሳጀር ሰለሙን (ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ)
  6. ሱሌማን ኣደም (ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ)
  7. መሓሪ ኢሳቕ (ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ)
  8. ሙሴ ሃብተማርያም (ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ)
  9. ሳሚኤል ደባስ (ካብ ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያትን ዓዲኣቤቶ) ከምኡ ውን ካፒተን ተኸስተ ተኽለ (ወዲ ፋፋ)፡ ካፒተን ዓብደልኑር ሸሪፍን ሜጀር መልኣከ ገበረማርያም (ላውንቸር) ዝተብሃሉ ኣባላት ፖሊስን ‘ዮም፡፡

ጎኒ ንጎኒ መርመራታት ከተማ ኣስመራ ውን ብመሳርዕ ክ/ሰራዊት 84፡ 22፡ 59ን 525ን ኣብ ሓለዋ ትርከብ፡፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ መሳጊድን መድረሳትን እውን ሓያል ሓለዋን ምክትታልን ይግበረለን ኣሎ፡፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ተቓዉሞታት “ታሳተፍቲ” ተባሂሎም ዝተኣሰሩ፡ ብዋሕስ ዝተፈትሑን ናይ ጣዕሳ ወረቓቕቲ መሊኦም ብመጠንቀቕታ ዝተፋነው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ውን ኣለው፡፡ ኣብቲ ተቓዉሞ ተሳቲፎም ዝተሓየሩ ብፍላይ ኣመንቲ ክርስትና “ንስኻ/ኺ ከ እንታይ ኣገዲስኪ?” እንዳተብሃሉ ሓያሎ መርመራን መግረፍትን ወሪድዎም እዩ፡፡ ሕጂ ውን ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ቀይዲ ይርከቡ፡፡ ዕለታዊ ጸብጻብ ናብ ዓዲሃሎ ከባቢ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብብ/ጀነራል ሓዱሽ ኤፍሬም ይበጽሕ ኣሎ፡፡

ብሓፈሻ፡ ኣብ ታሪኽ ድሕሪ ናጽነት፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ክንዲዚ ቅንያት እዚ፡ ኣብ ራዕድን ሸበድብድን ተሸሚሙ ኣይፈልጥን ክበሃል ይከኣል ኢዩ፡፡ እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝፈርሖ ውሽጣዊ ተቓዉሞ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩለን መሓውራት ጸጥታ፡ ስሩዕ ዕማመን ኣወንዚፈን፡ ኣብ ዝለዓለ ናይ ምጽንጻን፡ ምክትታልን ምቕያድን ስርሓት ክነጥፋ ተገይረን እየን፡፡ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ እቶም ላዕለዎት ወትሃደራዊን ፖለቲካዊን መሪሕነት፡ ነቲ ህዝባዊ ሕቶ ቅቡልን ፍትሓውን ምኻኑ ብምእማን፡ ሸለል ዝብሉ ስለ ዝተርኣዩን፡ ንሕቶ ቤት ትምህርቲ ዳእያ ዝድግፉ ብኣግኡ ስለ ዝተረኸቡን፡ ነቲ ወጥሪ ኣጋዲድዎ እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ላዕለዋይ መርሓ ዘሎ ጋግን ምትፍንናን ዝምልከት ሓበሬታ ንግዜ ገዲፍና፡ እቲ ህዝባዊ ተቓዉሞ፡ ናብ ዞባታት፡ ሓይልታት፡ ኮለጃትን ሳዋን ከይልሕም፡ ክረባረቡ ቀንዮም እዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ንተቓዉሞታት ህዝቢ ኣስመራ ስዒቦም፡ ኣብ ከባቢታት ጉልጅ ውን ብልጭ ኢሉ ዝጠፍአ ተቓዉሞ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ብዙሕ ከይሰጎመ ብታህዲድን ምፍርራሕን ተቖጺዩ እዩ፡፡ ኣብዚ ከባቢ ሓላፊ ምክትታል ዶባት ብምኻን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘገለግለ ካፒተን ሓሚድ ኣደም ስዒድ (ኣሞራ) ዝተብሃለ ገዲም ተጋዳላይ ምስቲ ተቓዉሞታት ምትእስሳር ከምዘለዎ ተጠርጢሩ ንዝተወሰነ መዓልታት ተቐይዱ ጸኒሑ ተፈቲሑ እዩ፡፡ ብዝኾነ፡ ብኣቦና ሓጂ ሙሳ ዝተወልዐት ቁልዒ ሓርነት፡ ድጉል ጓህሪ ኮይና፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ነቶም ታሪኽ ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝደወኑ፡ ኢሳይያሳውያን ንሓዋሩ ከምትበልዕ ጋህዲ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ፡፡

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!!

እቶም ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጸገማት ብምልዓሎም፡ ሃንደበት ናብ በረኻ ናሮ ዝተደርበዩ፡ 6076 ተምሃሮ 29 ዙርያ እውን፡ ኣብ ክልተ ተመቒሎም፡ ኣብ ትሕቲ ክፍላተ ሰራዊት 525ን 22ን ተወዚዖም፡ ብወትሃደራዊ ታዕሊማት ይርብርቡ ኣለው፡፡ ኣብቲ ቦታ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መጽለልን መሻርፍን ብዘይምህላው፡ ብሰንኪ ሕጽረታትን ኪሊማዊ ለውጥታትን፡ ዛጊት ብዙሓት ተምሃሮ ብሓኻኺን፡ ዌል ካምን (Dengue fever) ከምዝተጠቕዑን፡ እተን ደ/ኣንስትዮ ከኣ ምስ ሃሩር ናይ ጽሬት ማቴርያልስ ቀረብ ስለ ዘይተዳለወለን ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከባ ተፈሊጡ፡፡

ብተመሳሳሊ፡ ካብ ኣዚዮም እሙናት ምንጭታትን ሓለፍትን ዝረኸብኩዎ እዋናዊ ሓበሬታ ከምዝገልጾ፡ ስርዓት ህግደፍ ማዕረ ማዕረ ኣብ ውሽጢ ዝልሕም ዘሎ ተቓዉሞታት፡ ኣብ ወጻእ ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓሳት እውን ሓያል ሻቕሎት ፈጢርሉ ኣሎ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ብሰንበት ዕለት 05 ሕዳር 2017 ብክታም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ናብ ኤምባሲታትን ሚሽናትን ዝተልኣኸ ህጹጽ መደብ መንግስቲ ብሓጺሩ፡ “ምስቲ ኣብ እዚ ቅንያት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን፡ ዝካየድ ዘሎ ህውከትን ዕግርግርን ብምትእስሳር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሃገርን ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታትን ኣመታቱን፡ ምስ ኣቐዲሞም ዝተሓበርዎም መደባት ብምዝማድ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብመልክዕ SWOT Analysis ጸብጻብ ኣዳሊዮም ክልእኹ” ዝሕብር መምርሒ ንኹሎም ሚሽናት፡ ኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ቆንስላትን ተላኢኹ ኢዩ፡፡ (እቲ መምርሒ ማንኪን ኢሳይያስን ጥራይ ከምዘዳለውዎ እግምት)

ሳክቲዝም ካብቶም ኣዚዮም እሙናት ምንጭታት ፡ዳርጋ ሙሉእ ግብረ መልሲ ኤምባሲታትን ሚሽናትን ዝረኸበ ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ንሃገራዊ ረብሓና (National Interest) ብዘይሃሲ መገዲ፡ ትሕዝቶ ጸብጻባት ኣምባሳደራትን ሓለፍቲ ቆንስላትን ከምዚስዕብ የቕርበልኩም፡፡ (ኣቐዲመ ግን ነቶም ግዱሳት ምንጭታት፡ በቲ ዝሓበርኩምኒ ኮዳት ኣስማት መሰረት ንዓፋ፡ ናኹራ፡ ሸባሕ፡ ጣረውን ሙሴን ዘለኒ ኣኽብሮትን ምስገናን ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡)

  1. ትሕዝቶ ጸብጻብ ኤምባሲ ኣመሪካ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተኻየዱ ኣኼባታት፡ ገምጋማትን ዲፕሎማሲያዊ ስርሓትን፡ ብእውንታን ብኣሉታን ብምትንታን ዝጀመረ ጸብጻብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ነቲ ሓዱሽ ተርእዮ ንምብዳህን ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ንምድንፋዕን፡ ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ክዕመሙ ዝጸንሑ ናይ “እገዳ፡ ጎበጣ መሬትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን” ዝምልከቱ መደባት ብምትእስሳር ኣንጻር “መንግስቲ” ዝለዓሉ ህዝባዊ ተቓዉሞታትን ሽርሒታትን፡ ንምምካት ካብ ዝተልዓሉ ጉዳያትን ውጥናትን ዝስዕቡ ሓሳባት ርከብዎም፡፡

  • ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ዘሎ ዝምድና ዳርጋ የለን ክበሃል ከምዝከኣል፡ ኣብ 2013 ጥራይ ውጽኢት ዘይተረኸቦ 2 -3 ግዜ ርክብ ተገይሩ ከምዝነበረ ይሕብር፡፡
  • ምስ ትካላት መጽናዕቲ ብፍላይ ምስ ኣትላንቲክ ካውንስል ጽቡቕ ርክብ ስለዝነበረ፡ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ዑደት ስለዘካየዱ፡ ሕጂ ውን ዋላ ተቓዉሞታት እንተበዝሐ፡ ሚዛናዊ መግለጺታት ንኸውጽኡ ጻዕርታት ከምዝካየዱ ይሕብር፡፡ ነዚ ስራሕ ሎቢ ትገብር ጉጅለ ከምዘጣየሱ ውን ይገልጽ፡፡
  • ምስ መብዛሕትኦም ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝነበረ ርክብ ስለዝዛሕተለ፡ ምስቶም ዝሓሸ ኣረኣእያ ዘለዎም ዝበሃሉ ከም በዓል ሪፓብሊካን ዳና ሮህራባከርን ኣምባሳደር ሄርማን ኮሆንን ዝነበረ ርክብ ብደረጃ ብጻይ ብርሃነ ክቕጽል ከምዝኾነ ከምኡ ውን ንኣማሓዳሪ ቨርጂንያ ድማ በመገዲ ኮሚኒቲ ርክባት ክጅመር ምኻኑ ይገልጽ፡፡
  • ኣብቲ ጸብጻብ “እቲ ተቓዉሞታት እንተቐጺሉን ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጥታት ከሕድረልና እንተኺኢሉን፡ ቀንዲ ብደረጃ ኤምባሲና ተስፋ ዝንበረሉ ዕማም፡ 41 ጉጅለታት ህግደፍ (818 ኣባላት)፡ 200 ዋርሳይ (ኣብ 22 ከተማታት ዝርከቡ)፡ ኣብ 13 ከተማታት ዝርከቡ ጉጅለ ሕድሪን፡ ኣብ 13 ከተማታት ዝርከቡ ናይ ECC ኣባላትን፡ ወዲብና ገጂፍ ባጀት ሰሊዕና፡ ብድምር ልዕሊ 4,000 ዝኾኑ ዜጋታት ወዲብና፡ ነቶም ግዝያዊ ብድሆታት ንምምካት ክንጽዕር ኢና፡፡” ይብል፡፡ ብተወሳኺ እቲ ኣብ 8 ዞባታት ዝተመቐለ ሃገራዊ ሽማግለ፡ ዋላ ድኹም እንተኾነ፡ ኣብ ምውህሃድ ስርሓት ዕዙዝ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ዝገልጽ ሓሳብ ውን ሰፊሩ ኣሎ፡፡
  • ጸብጻብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ቀጺሉ “ኣቐዲምና ዝጀመርናዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፌስቡክ፡ ዝነበረ ምንቅስቓስ ንጡፋት ኣባላት ወሲኽና፡ ብምሕያል ነቲ ምንቅስቓሳት ክንብድሆ (diffuse ክንገብሮ) ኢና፡፡” (ይብል)
  1. ትሕዝቶታት ጸብጻብ ሚሽን ሕቡራት ሃገራት

እዚ ብ7 ገጻት ዝተዳለወ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ንምድንፋዕ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ምስ ኣባላት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቐዲሙ ማለት ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ብህይወት እንከሎ፡ ዝተዓሙ መደባት ብዝርዝር ይሕብር፡፡ እዞም ዕማማት ሓሙሽተ ሸነኻት ዝሓዘ ውጥን ስራሕ ተዳሊዩ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 900 ክልተኣዊ ርክባት፡ ኣስታት 200 ኣኼባታት፡ 36 ቃለ መጠይቓትን ከምኡ ውን 17 ርክባት ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ከምዝተኻየደ ይሕብር፡፡ እቲ ጸብጻብ ብፍላይ ኣብ “ጎበጣ መሬት ስርዓት ወያነ” ጽቡቕ መረዳእታ ከምዝተፈጠረን፡ እንተኾነ ሞኒተሪንግ ጉጅለ፡ ናብ ኤርትራ ዘይምብጽሑ፡ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፍልሰት ዜጋታትናን ኣመልኪቶም ዓበይቲ ሕቶታት ከምዝቐርቡን ውን ይገልጽ፡፡

ዛጊት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት፡ ካብ ወከልቲ መንግስታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣውስትራሊያ፡ ካናዳ፡ ብርጣኒያ፡ ጀርመን፡ ሆላንድን እስራኤልን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጉዳይ ሕቶታት ከምዝቐረበሉ ዝሓበረ እቲ ኤምባሲ፡ “ኣብ መጻኢ ምስ ዝተተሓዙ መደባት ብምትእስሳር፡ ኣብ ኣስመራ ዝተፈጥረ “ዕግርግር”፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝካየዱ ተቓዉሞታትን፡ ከምኡ ውን ምስ ምንቅስቓሳት ወያነ ኣተኣሳሲርና ዝተወሃሃደ ጎስጓስ ብምክያድ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታትና ብምሕያል፡ ንዝለዓሉ ሕቶታትን ጉዳያትን እኹል ሓበሬታ ብምስናቕ፡ ንምብዳህ ጻዕርታት ክነካይድ ኢና ዝብል ኣምር ዘለዎ ውጥን ከምዝሓንጸጸ ይገልጽ፡፡

  1. ትሕዝቶታት ጸብጻብ ሚሽን ስካንድኒቭያ

እዚ ብዮናስ ማና ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ናይ ሽወደን፡ ነርወይን ፊንላንድን ህልው ኩነታት ዝትንትን ኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ሽወደን፡ እቲ መንግስቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ሓያል ከምዝኾነ፡ ብምኽንያት ዳዊት ኢሳቕ ኣብ መንግስቲ ሽወደን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ሰፊሕ “ጸለመ” ከምዝተዘርግሐ፡ ከም ኣሉታ ብምልዓል፡ ካብ ሽወደን ዝተንቀሳቐሰ ሓደ ሓለፊ ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ምእታው ድማ ከም እውንታ የልዕል፡፡

ኣብ ጉዳይ ነርወይ ከኣ፡ እታ ሃገር ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዋ መርገጺ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ብኣሉታ ዝግለጽን፡ ርክብ ከምዘደስከለትን ብምሕባር፡ ሕቶ ምምላስ ስደተኛታት ውን ኣከራኻሪ ከምዝኾነን የልዕል፡፡ መንግስቲ ነርወይ ጠንቂ ፍልሰት ኤርትራውያን፡ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምኻኑ ብምእማኑ፡ ኣብ ኩሎም ርክባትና ከም ቅደመ ኩነት፡ ነቲ ፖሊሲ ክነቋርጾ እዩ ዘገድድ ይብል፡፡ ኣብ ጉዳይ ፊንላንድ ውን እታ ዝሓሸትን ጽቡቕ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ዘማዕበለት ሃገር ምኻና ብምሕባር፡ ውዳቤታት ክጠናኸር፡ ዲፕሎማት ክምደብ፡ ዓቕሚ ሰብ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ለበዋ ብምቕራብ እቲ ጸብጻብ ይትንትን፡፡ ካብዘን ሰለስተ ሃገራት ብርቱዕ ተቓዉሞ ዘጓንፍ ኣብ ሽወደን ብምኻኑ ቀጻሊ ናብ ስቶክሆልም ከምርሑ ዝኽእሉ ተቓዉሞታት ብመጽናዕቲ ብምድጋፍ ንመንግስቲ ሽወደን ሓበሬታ ምስናቕ ከድሊየና ኢዩ ይብል፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ስካንድኒቪያ ኣብ ቀረባ ዘካየድናዮም ህዝባዊ ጎስጓት ዚያዳ ክንደፍኣሉን፡ ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ዕግርግር ብምትእስሳር ጽልውኡ ከይሓየለ ብኣግኡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተራኺብና ሓበሬታ ክንለዋወጥ ክንጽዕር ብምባል እቲ ጸብጻብ የነጽር፡፡

  1. ትሕዝቶታት ጸብጻብ ሚሽን እስራኤል

ብወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ዝተልኣኸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ድማ፡ መንግስቲ እስራኤል ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን፡ ዝለዓለ ሓበሬታ ከምዝውንን ብምጥቃስ፡ ብፍላይ እቲ ዓብላሊ (30 መንበር ዝሕዝ) ሊኩድ ሰልፊ፡ ምስ ዘለዎ ተቐባልነትን ጽፍሕን ብምዝማድ፡ ዲፕሎማሲ ጽምዶ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስቶም ሓለፍቲ ሰልፊ ክተኣሳሰርን ጠመተ ክህብን ይሕብር፡፡ መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ብስግረ ዶብ ዝኣተው 32,518 ኤርትራውያን ከምዘለው ብምሕባር፡ ኣብ ጉዳይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያን፡ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘለዎ መርገጺ፡ ኣሉታዊ ምኻኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ፡፡ ኣብ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኤርትራውያን ውን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብወለንታ 1007 ዝኾኑ እንተተመለሱ ውን፡ እቶም ዝበዝሑ ግን፡ መንግስቲ እስራኤል፡ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ብምልዛብ ናብ ሩዋንዳ ዝልእኾም ምኻኑ ተጠቒሱ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ካብ 2014 ንደሓር ርክብ እስራኤልን ኤርትራን ባይታ ከም ዝዘበጠ ይሕብር፡፡

ምስቲ ኣብ እስራኤል ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበረኸ ዝመጸ ሰለማዊ ስልፍታት ብምትእስሳር፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕ/ሰብ ዋላ ተቓዋሚ ይኹን እምበር፡ “በቶም ዘለውና 153 ጉጅለታት ተጠቒምና ኣብ መዛግብ ካብ ዝሰፈሩ 12,139 ኤርትራውያን ብውሑዱ ነቶም ርብዒ ዝኾኑ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ናይ ጎስጓስ መደባትን ፈሲቲቫላትን ብምድላውን ንመንግስቲ እስራኤል ሓበሬታ ብምስናቕን ኣድሂብና ክንሰርሕ ኢና፡፡” ዝብል መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ኣቐዲመ ከምዝሓበርኩኹምን፡ ክሳብ እዛ ዕለት ካብ ዝነበረኒ ተሞኩሮን ብምብጋስ፡ ብዓይኒ ሓቂ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ክንዲዚ ቅንያት እዚ፡ ርዒዱን ሰምቢዱን ኣይፈልጥን፡፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተዓዘብኩምዎ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝካየድ ህዝባዊ ተቓዉሞታት፡ ብዝተፈላለየ መገድታት ንምቑጻይ፡ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ፡፡ ጻማ ጻዕርና ንሓፍሰሉን፡ ሰላም ሓርነት ነተንፍሰሉን፡ ርሑቕ ከምዘይኮነ ዘተንበሀ፡ ተቓዉሞ ህዝቢ ኣስመራ፡ ዛጊት ናብ ብዙሓት ሃገራት ተባጺሑ ኣሎ፡፡ በቶም ልሙዳት ህግደፋዊ ሽጣራታትን መናውራታትን ከይተዳህለልና፡ ሕጂ ውን ኣንጻር ምልኪ ኣብ ነካይዶ ቃልሲ፡ ብኣድማዕትን ብቀጻልነትን ዚያዳ ክንደፍኣሉ፡ ብውሽጥን ብደገን ዝተጠጅኡ ሜላታት ህግደፍ ብኣግኡ ክነፍሽሎም ይግባእ፡፡

ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ ብዓወት ዝተደምደሙ ሓርነታዊ ቃልስታት ምስ እንዕዘብ፡ ብውሁድ ዘቤታዊን ግዳማዊን ጻዕርታትን፡ ህዝባዊ ተቓዉሞታትን ዝተዓወቱ እዮም፡፡ ካልእ ይትረፍ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣፓርታይድ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ማዕረ ማዕረ ብማንዴላን ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተኻየዱ ቃልስታት፡ እቶም ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ደገፍቶምን ዝነበሮም ኣበርክቶ ኣዚዩ ልዑል እዩ ኔሩ፡፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝፍጠር ለውጢ ከምዘየሎ ንዓና ንኤርትራውያን ዘሕልፍናዮ ታሪኽ ባዕሉ እኹል ምስክር እዩ፡፡

እወ! ከምቲ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ዝመሃረና፡ ሚስጢርን ምንቅስቐሳትን ጸላኢ ምፍላጥ ሓደ ስጉሚ፡ ግብራዊ ኣበርክቶ ከኣ ካልእ ስጉሚ ስለዝኾነ፡ ሕጂ ውን በቢዘለናዮ “እምቢ ንምልኪ! እወ ንሓርነት!” ብምባል፡ ንጅግና ሓጂ ሙሳን ህዝብናን ኣብ ጎኑ ብምቋም፡ ድርዒ ክንኮኖ ይግባእ፡፡ እዚ ምስ እንገብር እዩ፡ ንፋስ ሓርነት እንዳስተማቐርና ነቶም ክቡር ህይወቶም ዝበጀው ጀጋኑ ስውኣትና ንድብሶም፡፡

ኣብ ካልኣይ ክፋል ተወሳኺ ትሕዝቶ ሚሽናት ኢጣልያ፡ ብርጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ስዊዘርላንድን ካናዳን ከምኡ ውን ንተቓዉሞ ኣስመራን ህልው ኩነታት ተምሃሮ 29 ዙርያን ኣመልኪተ ሓበሬታ ክፍንወልኩም እየ፡፡

ወደሓንኩም!!

By: SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here