Home ዜና ትግርኛ እዋናዊ ዛዕባ – ዝቐጸለ ሸበድበድ ህግደፍ ኣብዚ ቅንያት

እዋናዊ ዛዕባ – ዝቐጸለ ሸበድበድ ህግደፍ ኣብዚ ቅንያት

148
0
SHARE

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ከም መቐጸልታ ብሓሙስ 9 ሕዳር 2017 ንትሕዝቶ ጸብጻባት ሚሽናት ዝፈነኹልኩም ሓበሬታ፡ ንሎሚ ከኣ፡ ናይ ካልኦት ቃል ዝኣተኹልኩም ጻብጻብ ሚሽናትን ንምዕባለታት ተቓዉሞ ህዝቢ ኣስመራን ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ክፍንወልኩም፡፡
ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ፡ ንሓርነት ኣብ ነካይዶ ቃልሲ፡ ብኹሉንትንኡ ሙሉእን ኣድማዒን ንክኸውን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስርዓት ኢሳይያስ ዝፍጽሞም ግፍዕታትን ዝውጥኖም መደባትን ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ኣብ ወጻእ ዝዓሞም ዕማማት ክንፈልጥ ይግባእ፡፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ፡ ብፍላይ ኣብተን ቀንዲ ምንጪ ውዳቤ መሓውራት ጉጅለ ህግደፍ ክነትኩር ኣለና፡፡ እዚ ምስ ዝኸውን፡ ብሓያል ህዝባዊ ተቓዉሞታት ተሰኒዩ፡ ከምቲ ብሰኑይ 13 ሕዳር 2017 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ኣመልኪቱ ዘውጸኦ ጸብጻብን ምንዋሕ እገዳን፡ ዓይነት ጸቕጥታት ክንፈጥር ንኽእል ኢና፡፡

ብወጻእ ጉዳያት ሚኒስተርን፡ ብማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍን፡ ካብ መስከረም 2016 ጀሚሩ፡ ኣብ ወጻእ ዝርከባ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ክዓመኦ ዝተዓደለን መደባት፡ ኣብ ምድንፋዕ ግዳማዊ ወፍሪ፡ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ኣህጉራዊ ጽምዶን ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ኣብ ምፍሻል ምንቅስቓሳት ተቓወምትን ጸብጻባት ኣህጉራዊ ውድባትን እዩ ነይሩ፡፡ ብሓጺሩ እቲ መደብ ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ዘተኮረ ‘ዩ፡፡
1. ዉሁድ ዲፕሎማሲያዊ መኸተ ኣብ ቀንዲ ናይ መኸተ ከባቢታት፡ (ብሓደ ሸነኽ ኢትዮጵያ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከልጅን ግብጺን፡ ብካልእ ሸነኽ ብሪክስ (BRICS)፡ ዝተመርጻ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ኢስያዊት ሃገር ፓክሲታንን ምክትታል ምዕበለታትን ፖሊሲን ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን)

2. ዉሁድ ዲፕሎማሲያዊ መኸተ ኣብ ኣገደስቲ ትካለት፡ ማሕበራትን ጸለውቲ ሰባትን

3. ዉሁድ ዲፕሎማሲያዊ መኸተ ኣብ ውድባት (ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን) ዝብል እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ዘን መደባት ዝተጠቕሱ ዕላማታት ውን፡

• ህዝባዊ ተሳትፎ ብምሕያል ተጻብኦታት ምፍሻልን ምስዓርን

• ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ንምምጻእ ሽርክነት ምዕባይ

• ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ሶማል፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ጁቡትን ጽልዋታትና ምዕባይ

• ኣብ ጎደቦ ዞባታት ዘሎ ጽልዋታት ምብራኽ (ተራ ግብጽን ሱዕዲያን፡ ኢመረትን ቀጠርን፡ ርክብ ሃገራት ከሊጅን የመንን ናብ ንቡር ክምለስ ምጽዓር፡ ኣንጻር ኣሉታዊ ምትእትታው ኢራን፡ ቱርኪን እስራኤልን ምስ ኣንጻር እዘን ሃገራት ዝቖማ ሃገራት ሽርክነት ምፍጣር)

• ተመሳሳሊ ኣጠማምታ ምስ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሕመረት ምፍጣርን ሕብረት ኣፍሪቃ ዳግም ክቕረጽ ምድፋእ ዝብሉ ‘ዮም፡፡

ኣብቲ መደብ ኣብ ትሕቲ “ስትራተጂ ነብሰ ምክልኻል” ዝብል ኣርእስቲ ዝተሓንጸጹ ዕማማት ድማ፡

• መጥቃዕቲ ኣንጻር ተጻብኦን ተጻባእትን (ብስም “ደለይቲ ፍትሒ” ዝካየዱ ተጻብኦታት ብዝተፈላለየ መገድታት ካውንተር ምግባርን ምቅላዕን፡ ንኣልጀርስ ስምምዕ፡ ሰብኣዊ መሰላትን እገዳን ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ምክያድ)

• ተሳትፎ ህዝቢ፡ ውዳቤን መኸተን ምሕያል (ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ቁጠባዊ፡ ፋይናንሳዊን ሞያዊን ኣበርክቶ ዜጋታት ክብ ምባል፡ ውዳቤታት ወጻኢ ኣብ ዜናን ሶሻል ሚዲያን ኣዲሂቦም ክሰርሑ ምሕጋዝ፡ ምሕዝነት ምስ ኣንጻር ወያነ ዝቖሙ ሃገራትን ማሕበራትን ምሕያል፡ ኣንጻር ወያነ ንዝቖሙ ውድባትን ማሕበራትን ንዋታዊን ናይ ሓበሬታን ሓገዝ ምግባር )

• ሽርክነት ምዕባይ ኣብ ትሕቲ ዝብል ድማ፡ (ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ሱዕዲያ፡ ኢማራት፡ ኩወይት፡ ባህሬን፡ ኡማንን የመንን ንቀይሕ ባሕሪ ማእከል ዝገበረ ስትራተጅካዊ ጽምዶ ምሕያል) ዝብሉን ካልኦት ዝርዝራትን ይርከብዎ፡፡

ኣብ መናድቕ ፌስቡክ፡ ብፍላይ ንስትራተጅታትን ሕንጻጻትን ዝምልከት ትንታነታት ብዙሕ ጠለብ ከምዘይህልዎ እርድእ፡፡ እንተኾነ ኩሉሻዕ ካብ ኣብ ናይ “ቀታሊን ተቐታልን” ዛንታ ዘድህበ ሓበሬታ ካብ ምስማዕ ሓሊፍና፡ ዚያዳ ስትራተጅካዊ ረብሓ ዘለዎም፡ ንምንቅስቓስ ጸላኢ ሰናያት ህግደፍ፡ ብኹሉ ሸነኻቱ ኣትሪሩ ዝሃርም፡ ውዳቤታት ክንፈጥር ዝሕግዝ ሓበሬታ ውን የድሊየና እዩ፡፡ ኣብዚ “ሸበድበድ” ህግደፍ ኣብ ጥርዙ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብምፍርራሕን ብታህዲድን፡ ኣብ ወጻእ ድማ ብስም መኸተን ውዳቤን ብዝተኣልሙ መናውራታት ንህዝባዊ ተቓዉሞን ምንቅስቓሳት ደለይቲ ፍትሕን ከዳኽም ይጽዕር ኣሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዝፈነኹልኩም ናይ 4 ሚሽናት ትሕዝቶ ጸብጻብ ውን ዘነጽሮ፡ እቲ ስርዓት ክንደየኡናይ ኣብ ዓቕሊ ጽበት ከምተሸመ እዩ፡፡ ዳርጋ ኩሎም ሚሽናት፡ ነቶም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ መደባት ንምዕማም፡ ኣብ ዘካየድዎ ስርሓት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ኣስመራን ኣብ ወጻእን ዝተኻየደ ቀጻሊ ተቓዉሞታት ተወሳኺ ብድሆ ከምዝኾኖም ይገልጹ ኣለው፡፡ ትሕዝቶ ጸብጻብ ሚሽናት፡ ካብቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣምራት፡ ብዙሕ ዘይተፈለየ ኮይኑ፡ ነፍሰወከፍ “በሃበስ ቀደስ” ዝተብዓጠ ጸብጻብ ካብ ምሕንጣጥ፡ ብሓጺሩ በተን ሚሽናት፡ ኣብዚ እዋን ክዕመሙ ዝተሓሰቡ ስርሓትን ውሽጣዊ ትሕዝቶን ዝምልከት ብሓጺሩ ክፍንወልኩም፡፡

ጸብጻብ ሚሽን ኢጣሊያ

እዚ ብሓያሎ ኣሃዛዊ መለኪዒታት ዝተመልአ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ሚሽን ኤርትራ ኣብ ኢጣሊያ፡ ብሓፈሻ ምስ ላዕለዋይ ባይቶ ኢጣሊያ 7 ግዜ፡ ምስ ታሕተዋይ ባይቶ ድማ 5 ግዜ፡ ርክባት ከምዝገበረ ይሕብር፡፡ ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢጣሊያ ምስ ዝርከቡ ኣምባሳዳራት ኩባ፡ ኢኳዶር፡ ቨነዝዋላን ቦሊቭያን ርክብ ከም ዝተገብረ፡ ምስ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ንሕርሻዊ ልምዓት (IFAD)፡ ምስ ኣህጉራዊ ትካል ምግቢን ሕርሻን (FAO) ርክባት ይካየድ ከምዘሎን፡ ከም መወከሲ ድማ ብ OCHA ዝተዳለወ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ዝተልኣኸ ካብ 2007 ንደሓር ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ገበርቲ ሰናይ ውድባትን ዝዓመምናዮም ስርሓት ዝገልጹ ወረቓቕቲ “ሂብናዮም ኣለና” ይብል፡፡ (ካብዞም መወከሲ ጸብጻባት ዝተረኽበ ሰነድ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ፡፡)

ጸብጻብ ሚሽን ኢጣሊያ ብምቕጻል፡ መርገጺ መንግስቲ ኢጣሊያ፡ ከም ኣመሪካ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ስደት ዜጋታትን መስዋእቲ ማእከላይ ባሕርን ኣተኩሮም፡ ጸቕጢ ከምዝገብሩን፡ እቲ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ምኽትል ሚኒስተር ውን፡ ፈለማ ዋላ ደሓን ሃዋሁ እንተፈጠረ፡ ዲሒሩ ግን “ኣብ ጎበጣ መሬትን ርክብ ምስ ኢትዮጵያን” ኣድሂብና ካብ እንሰርሕ፡ ኣብ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ውሽጣዊ ፖሊሲታትናን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ክነተኩር ከምዘለና ምዝራብ ጀሚሩ ኢዩ ይብል፡፡

ምስ ኣብ ሚዲያታት ዘሎ ናይ ተቓወምቲ ብልጫታት ብምዝማድን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተኻየደ “ዕግርግር” ብምትእስሳርን፡ ኣብ ቀጻሊ ትጽቢት ዝግበረሎም ተወሳኺ ጸቕጥታት ንምብዳህ፡ ስዒቦም ዝተተሓዙ መደባት ከምዘለው ጸብጻብ ሚሽን ኢጣሊያ ይሕብር፡፡

• ኣብ ኢጣሊያ ኣስታት 15 ሺሕ ቀወምቲ ኤርትራውያን ከምዘለው፡ ካብ ዚኣቶም 65 ሚእታዊት ካብ ሕጋውያን ነበርቲ ብዕድመ ዝደፍኡ ምኻኖም፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ቁጠባዊ ሽግራት ዜጋታት ከቢድ ምኻኑ፡ እቲ ብኤምባሲ ዝነበረ ውዳቤታት ልዕሊ ዓቐን ከምዝጎደለ፡ ሃገራዊ ሽማግለ ኣድማዒ ዘይምኻኑ፡ ብምሕባር ንቀጻሊ ኣብ ውዳቤታት ጸቒጦም ከምዝዓዩ ኣነጺሮም፡፡

• ኣብ ሚላኖ ትርከብ ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝተፈጠረ ምፍልላይ ስለዝተረጋገአ ነቲ ጉዳይ ብምጥቃም ውዳቤታት ንምሕያል ተወጢኑ ከምዘሎ’ውን ይሕብር፡፡

• ኣብ 2014 ክልተ፡ ኣብ 2015 ኣርባዕተ፡ ከምኡ ውን ኣብ 2016 ሸውዓተ ኢጣሊያውያን ጋዜጠኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝኣተው፡ እንተኾነ ምስተመለሱ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘጸልም ሓበሬታ ከምዝዘርግሑ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ዓመት “እቲ ዝግበር ተገይሩ” ዝለኣኹ ክልተ ጋዜጠኛታት ከም ዘለው’ውን ምስተመለሱ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ብእውንታ ከንጸባርቑ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ይሕብር፡፡

• ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዋላ ኣድማዒ ኣይኹን’ምበር፡ ነቲ ናይ ጉዳይ ጀኔቫ ንምብዳህ ካብ ኢጣሊያ 2000 ደብዳቤታት፡ ልዕሊ 5000 ፐቲሽን፡ ልዕሊ 1000 ምስክርነት ብምድላው ጻዕርታት ከምዝተኻየደ ብምዝኽኻር ኣብ ቀጻሊ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕማማት ንምክያድን ኣብ ቫቲካን ዝተገብረ ጸለመ ንምምዕርራይ ጻዕርታት ከምዝካየድ ይሕብር፡፡

ጸብጻብ ሚሽን ብሪጣንያ

እዚ ጸብጻብ ውን ፈለማ ህልው ኩነታት እታ ሃገር ብምትንታን ቀጻሊ መደባት ኤምባሲ የንጽር፡፡ ኣብ ትንታነታት፡ ጸለውቲ ምዕባለታት ተባሂሎም ዝተገልጹ፡ ናይ ስኮትላንድ ሪፈረንዱም፡ ዓቃቢ ሰልፊ ብዓብላሊ ምዕዋቱ፡ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ግብረ ሽበራዊ ኩነታትን ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ኢዮም፡፡ ብመንጽር ኣቐዲሞም ዝተተሓዙ መደባትን፡ ሓደሽቲ ምዕባለታትን ድማ፡ ጸብጻብ ሚሽን ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር 9 ሰሚናራት፡ 2 ሰለማዊ ስልፍታት፡ ናይ ኮፍ ተቓዉሞ ኣብ ለንደን፡ ምድላው በዓላትን ፌስቲቫላትን፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ከምዝተኻየደ፡ ኣብ ፓብሊክ ዲፕሎማሲ ናብ 46 ኣባላት ፓርላማ ደብዳቤ ከምዝተለኣኸን፡ ኣብ ወፍሪ ፎሮምን ዝተፈላለዩ ሰሚናራትን ከምዝተሳተፉን፡ ዑደት ሚኒስተር ኣረፋይነ ናብ ኣየርላንድ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ይሕብር፡፡

ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ብሪጣንያ እንዳበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞታት ንምብዳህ፡ ምስኡ ዝመጣጠን ውዳቤታት ብዘይምህላው፡ በቲ ዝጸንሐ ውዳቤታት ጻዕርታት ከካይዱ ከም ዝወጠኑ ይሕብር፡፡ ብመሰረት”ዚ ከኣ፡ እተን ውዳቤታት ኣብ 9 ከተማታት ብግርጭት ዝተዳኸመ ውዳቤታት ከምዘሎን ንምዕራዩ ከምዝጽዕሩን፡ ኣብ ለንደን ተዳኺሙ ዝጸንሐ ናይ መንእሰያት፡ ናይ ሃማደኤን ናይ ዋርሳይን ውዳቤ ንምብርባር መደብ ከምተተሓዘ፡ ከምኡ ውን እቲ ዳግመ ውዳቤ ዝተገብረሉ ሃገራዊ ሽማግለ መደባት ሰሪዑ ክነጥፍ ምኻኑ ይገልጽ፡፡

ኣብ ጸብጻብ ሚሽን ብሪጣንያ፡ ከም ለበዋ ዝተገልጸ ሓሳብ፡ ኣብ ናይ ሚዲያ ንጥፈታት ብፍላይ፡ ኣብ ኣማራጺ ሚዲያን ሶሻል ሚዲያን፡ ብዙሕ ኣተኩሮ ተገይሩ ክስራሕ ምኻኑ ኢዩ፡፡

ጸብጻብ ሚሽን ፈረንሳ፡ ሩስያ፡ ስዊዝ፡ ጀርመን፡ ካናዳ፡ ነዘርላንድስ

ክቡራት ተኸታተልቲ!
እቲ ጸብጻብ ዳርጋ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ብምኻኑ፡ ከምኡ ውን ምስልቻው ንዘይምፍጣርን፡ ካብዘን ናይ 6 ሃገራት ሚሺናት ዝተፈለየ ሓሰባት ዝለኣኹ ናይ ዝስዕቡ ጥራይ ከቕርበልኩም፡፡

• ነዘርላንድስ፡ ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ዝካየድ ዝሕታለ ዘለዎ ጉጅለታት ህግደፍ ከምዘሎ፡ ብተነጻጻሪ ብመንእሰያት ህግደፍ፡ ሃገራዊ ሽማግለን ማሕበር ስንኩላንን ዚያዳ ተሳትፎ ከምዘለዎም፡ ኣብ ሃማደኤ ዝነበረ ዘይምርድዳእን ምጉጅጃልን ብምፍታሕ፡ ኣብ 5 ምዝጉባት ማሕበረ ኮማት፡ ናይ ጎስጓስ መደባት ንምክያድ ከምዝተወጠነን፡ ኣብ ሮተርዳም ዘሎ መሪሕነት ካብ ሓላፍነት ወጻእ ዝወሰዶም ስጉምታት ክሳብ ሕጂ ዘስዓቦ ኣሉታዊ ጽልዋ የነጽር፡፡ ብተወሳኺ ድሕሪ ጉዳይ መሰረት ባህልቢ፡ ፖለቲካዊ ተጻብኦ ከምዝዓበየን፡ እቶም ተቓወምቲ ውን በቲ መንግስቲ ተቐባልነት ስለዝረኸቡ፡ ኣብ ቀጻሊ ዋዕላ ከይዕነቅጹ ምጥንቃቕን፡ ቦታ ዋዕላ ብምቕያር ብሚስጢር ምሓዝን ከድሊየና እዩ ይብል፡፡

• ስዊዝ፡ ናይ ዓቕሚ ሽግርን ኣምባሳደር ዘይምህላውን ከም ቀንዲ ጸገማት ብምልዓል፡ ዝካየዱ ተቓዉሞታት፡ ብፍላይ ምስቲ መንግስቲን ምስ ባይቶ ውድብ ሕበራት ሃገራትን ዘሎ ርክብ፡ ዳግማይ ክጸልዎ ከምዝኽእል፡ ከምኡ ውን ቅድሚ ሕጂ ዝተዓጽወ ናይ ኤምባሲን ሱከን ሒሳብ ሕጂ ውን ክዕጾ ከምዝኽእል ይሕብር፡፡

• ካናዳ፡ ኣብ ካናዳ ብሓፈሻ፡ ኣብ 8 ዓበይቲ ከተማታት፡ ኣስታት 38 ሺሕ ኣቢሉ ዝግመት ኤርትራዊ ከምዝነበር ብምዝኽኻር፡ ምስ ብዝሒ ዜጋታት ዝመጣጠን ጎስጓስን ውዳቤታትን ዘይምህላዉ የነጽር፡፡ ብተወሳኺ ካብ 50 ዘይበዝሑ ኣባላት ህግደፍን 25 ዝኾኑ ሕድሪን ከምዘለው፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሃማደኤ ምስሕሓብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብጀካ ምስ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ሓደ ግዜ ዝተገብረ ርክብ፡ ካልእ ርክብ ከምዘየለ ይሕብር፡፡ ኣቐዲሙ ኣብ ክልተ ካብ ሚእቲ ዝተገብረ ምክልኻልን ምእካብ ፐተሸንን ዕውት ከምዘይነበረ ውን ተጠቒሱ ኣሎ፡፡
ብሓፈሻ ናይ ኩሎም ሚሽናት ጸብጻብ ከምዝተዓዘብኩምዎ ስንባደ፡ ሸበድበድን ዓቕሊ ጽበትን ዝንበቦ፡ ምስ ውህሉል ጸገማት ዝመጣጠን ውዳቤ፡ ዓቕሚ ሰብን ውጥንን ከምዘየልቦን፡ እንተኾነ ሕጂ ውን ሓያሎ ጎስጓሳትን ዝተፈላለዩ መናውራታትን ብምክያድ ነቲ በቢዕለቱ እንዳሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ንቕሓትን ተቓዉሞታትን ንምቑጻይ ከምዝወጠኑ ዘነጽር እዩ፡፡

ክቡራትን ተኸታልቲ!

ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብምውሳኽ ጽሑፈይ ክዛዝም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ከም ዝሓበርኩኹም፡ ጸላኢ ሰናያት ኢሳይያስን እሙናት ኣገልገልቱን፡ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓዉሞ፡ ኣብ ሓያል ወጥሪን መንጸሮርን ስለ ዝቐሰቦም፡ እቲ ተቓዉሞ ከይላባዕን ኣብ ሓጺር ግዜ ንምቑጻይን ዝተፈላለዩ ወትሃደራዊን ጸጥታዊን ስጉምታት ክወስዱ ቀንዮም እዮም፡፡ ድሕሪ እቲ እዋናዊ ጽሑፍ ዝበጽሑኒ ተወሳኺ ሓበሬታ ድማ ከምዚስዕብ እፍንወልኩም፡፡

• ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ናይ ምክትታልን ምጽንጻንን ክፍልታቱ ኣዋፊሩ፡ ንዓበይቲ ኣቕሽሽቲ፡ ሸኻት፡ ኡስታዛትን መራሕቲ መሳጊድን ብዕቱብ ይከታተል ኣሎ፡፡ ብጀካ እቶም ዝተፈለዩ ኣስታት 31 ዝኾኑ ኣመንቲ እስልምና፡ ብተወሳኺ ኣባ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ዝርከብዎም፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2014 “ሓውካ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ደብዳቤ ዝጸሓፉ፡ ናይ ካቶሊክ እምነት ኣቦታትን ገለ ናይ ኦርቶደኩስ እምነት መራሕትን ዕቱብ ክትትል ክግበረሎም ቀኒዩ ኣሎ፡፡ (ናይዚ ሓበሬታ ዝርዝር ምስ ኣጻፈፍኩ ክፍንወልኩም ኢየ)

• ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ካብ ቫቲካን ዝመጹ ሓደ ወኪል ዝተራኸቡ ናይ ካቶሊክ ኣቕሽሽትን ሓለፍትን ውን፡ ኣብ ዕቱብ ምክትታላት እዮም ቀንዮም፡፡ (ንግዚኡ ስሙ ዘይፈለጥኩዎ እቲ ካብ ቫቲካን ዝመጸ ወኪል፡ ንጸቕጢ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊክ፡ ንኽላዘብ ዝተልኣኸ ኮይኑ፡ ፕረሲዳንት ብኣካል ንምርካብ ስለ ዝሓንገደ “ሕቶኻ ብወረቐት ኣቕርብ” ተባሂሉ ካብ ኣፍደገ ዓዲሃሎ ዝተመልሰ ሰብ እዩ)

• መሳርዕ ክፍላተ ሰራዊት 22፡ 59፡ 525ን 84ን ሕጂ ውን ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓለዋን ግፋታትን ይነጥፋ ኣለዋ፡፡

• ብወዲ ባሻይ ትእዘዝ ሓይሊ እንተ (ድጋፍ ወሃቢ)፡ ኣርባዕተ ሓይልታት ብምውፋር ቀትርን ለይትን ኣብ ኣስመራ፡ ተፍትሽ ግፋን ሮንዳን የካይዳ ኣለዋ፡፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርታት፡ ከባቢታት ኤክስፖ፡ ገዛ ብርሃኑ፡ ኣርባዕተ ኣስመራን ፍሉይ ጠመተ ገይሮም ናይ ለይቲ ሮንዳ የካይዱ ኣለው፡፡

• ኣብ ኣኽሪያ ዝርከባ 7ቲአን መሳጊድ ማድሽቶ፡ መስጊድ ሳሆ፡ መስጊድ ሓጅ ኣብራር፡ ሪጋ ሶማል፡ እንዳ ገመድ፡ መስጊድ ሓጂ ዓብደላ፡ መስጊድ ኣቦበኩር ሰዲቕ ክምኡ ውን ኣብ ከባቢታት እንዳማርያም፡ ካቴድራል፡ ቤት ትምህርቲ ጥልያን፡ ዲያእ ኣልእስላሚያን ማሕድን ብመሳርዕ ክፍለ ሰራዊት 84ን ብሌ/ኮ ተስፋልደት ዘካርያስ ዝእዘዙ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታን ኣብ ሓለዋ ይርከብ፡፡

• ፈለማ ቅድሚ ፋዱስ ብሰሉስ ዕለት 31 ሕዳር ካብ 2ይ መደበር ምርኽኻብ ቤት ትምህርቲ ዳያእ ከሳልጡ ዝተልኣኹ 6 ኣባላት ፖሊስ ብእምኒ ዝሃረሙን ዘፈራርሑን ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስታት 37 ተምሃሮን ኣመንትን ኣብ ካልኣይ መደበርን ዓዲ ኣቤቶን ተቐይዶም ኣለው፡፡ (ዝርዝሮም ምስ ኣጸፋፍኩ ክፍንወልኩም እየ)

• ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ “ብቐዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ” ዝተኣዘዘ ሓለዋ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ብዘይልሙድ ኣገባብ ባዕሉ ኢሳይያስ ውን ቅድሚ ሕጂ ብኽልተ መሳርዕ ተዓጂቡ፡ ብክልተ ላንድኩረዘራት ጥራይ ናብ ዓዲ ሃሎ ዝገብሮ ዝነበረ ጉዕዞ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ኣባላት ሓለዋ ብምውሳኽ ብ4 ላንድክሮዘራትን ሓንቲ ናይ ነተጉቲ ተፍትሽ ጉጅለ ይመላለስ ኣሎ፡፡

As usual i here by wish to express my profound gratitude to all the informants and sources.

By: SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here