Home SACTTISM ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ (ሃሱሳት ኢምባሲታትን፡ ምትእትታው...

ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ (ሃሱሳት ኢምባሲታትን፡ ምትእትታው ኣብ 2ቲአን ሱዳንን- 6ይ ክፋል)

281
0
SHARE

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!

ፈለማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ደጊመ፡እንቋዕ ንሓድሽ ዓመት 2018 ኣብጸሓና! ኣብጸሓኩም! እብል፡፡ ርሑስ ቅንያት ኣውደኣመት ክኾነልና እንዳተመኹ፡ 2018 ዓመተ ፍትሒን ርትዕን፡ ን27 ዓመታት ዝደገሰና ድነ ዝቕንጠጠሉ ዓመት ክኾነልና እትምነ፡፡

ንሎሚ፡ 6ይ ክፋል ዲፕሎማሲያዊ ጽሑፋት ምስ ዝቕጽል፡ ብጭብጥታት ዝተሰነዩ፡ መርኣያ ፖሊሲ ዲፕሎማሲያዊ ምንዝርና ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝኾኑ ሽርሒታትን ዝምልከት ሓበሬታ ይፍንወልኩም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ከም ዝገለጽኩዎ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየዱ ፍጻመታት ዝተዋስኡ፡ ኣካላት ወጻእ ስለያ፡ ኤምባሲ ኤርትራን ምክትታል ዶባትን እዮም፡፡ እቶም ኣብ ሱዳን፡ ብጉልባብ ኣባላት ኢምባሲ ኤርትራ ተመዲቦም፡ ስለያዊ ዕማማት ዝዓሙ፡ ቀንዲ ሓለፍቲ ማለት፡ ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳን ኮ/ል መልኣከ ተስፋማርያምን፡ ኣብ 2004 ናብ ሱዳን ምምልላስ ምስ ኣብዝሑ፡ ኣብ ሱዳን ዝፈጸምዎ ሽርሕታት፡ ብመንግስቲ ሱዳን ስለ ዝተፈልጠ፡ ስርዓት በሽር ብወግዓዊ መገዲ ካብ ሱዳን ክእለዩ፡ ንቤ/ጽ ፕረሲዳንት ደብዳቤ ጽሒፉ ምንባሩ ውን እዝክር፡፡ እንተኾነ፡ ዲሒሮም ብዝሰዓቡ ደፋእቲ ምኽንያታትን፡ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስታት ግብጺን፡ ሊብያን፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዞም ክልተ ሰለይቲ ብዙሕ ኣይደፋኣሉን፡፡

ብዙሓት ዜጋታትን ተንተንትን፡ ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክገልጹ እንከለው፡ “ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም” ብምባል ኢዮም ዝገልጽዎ፡፡ ብወገነይ “ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም” ዝብል ኣምር፡ ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነስ፡ ዳርጋ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ንዘሎ ርክባት ዝገልጽ ኣምር ከምዝኾነ እኣምን፡፡ እቲ ምንታይ ሲ፡ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ኢሳይያስ፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ናብ እውጅን ዘይእውጅን ኩናት ስለዝተቐሰብና፡፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ፡ ብህዝባዊ ርክባትን ብሚዲያን ጎሊሑ ክወጽእ ስለዝተገብረ እምበሪ፡ ብዓይኒ ሓቂ፡ ምስ በዓል ሱዳን፡ የመን፡ ጁቡቲ… ዘለና ርክብን ዝተፈጠረ ከልበትበት ውን ኣብ ናይ ድሕረ መጋረጃ ምትፍናን ዝተመርኮሰ፡ ኣካል “ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም” ኢዩ፡፡ እንሆ ከኣ ጭብጥታት፡፡

ከምቲ ኣብ 4ይን 5ይን ክፋል ዝገለጽኩዎ፡ ንናይ ሱዳን ብኮታት መዝሚዙ፡ ኢሳይያስ ብናይ ጸጥታ መሓውራቱ፡ ኣብ ሱዳን ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍጽምን፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብክልተ ዝተሰሓለ ርክባት ክምስርትን ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ስርዓት ኣል በሽር ውን፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ዝኽተሎ ፋሉላዊ ሽርሒታት ምስ ተረድአ፡ ከም’ቶም ካልኦት መራሕቲ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ነጺጉ ርክባቱ ምስ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲን የመንን ከሕይልን ምስ ኢሳይያስ ድማ ኣብ መደባት ህዝባዊ ርክባት ጥራይ ከተኩር ፖሊሲ ሓንጺጹ’ዩ፡፡ ብፍላይ ምስ የመን፡ ኢትዮጵያን ዝመስረቶ “ሰንዓ ፎሮም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር፡ ኣብ መፋርቕ 2000 ንኢሳይያስ ሓያል መንጸሮር ዝፈጠረሉ ውዳቤ ኔሩ፡፡ ኣብ ክንዲ ቀጥታዊ ጂኦ ፖሎቲካዊ ምትእስሳር ምስ ዘለና ሃገራት፡ ዝነበረ ኣፈላላያትን ምስሕሓብን ብዲፕሎማሲያዊ ብልሓት ምፍታሕ፡ ኣብቲ እዋናት ናብ ህልኽ (Obstinacy) ዘዛዘወ ፕሮግራማት ብምሕንጻጽ፡ ምስ ግብጽን ሊብያን ምሕዝነት መስሪቱ፡፡

ኢሳይያስ፡ ኣብ ልዕሊ ዑሞር ቃዛፊ ዝተነብረ እገዳታት ጥሒሱ፡ ንቃዛፊ ክሳለም፡ ናብ ትራብሎስ ዘምረሓሉ እዋናት’ውን ሽዑ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን፡ ቃዛፊ ኣብ ኣፍሪቃ ተቐባልነቱ ንምዕባይን፡ ኣፈኛ ኣፍሪቃ ንምኻንን፡ ካብ ዝነበሮ ክቱር ባህጊ፡ ኣቐዲሙ ሳሕል ሳህራ (ሲንሰድ) ዝበሃል ውዳቤ ብምቋሙ፡ ኢሳይያስ ውን ከይወዓለ ከይሓደረ ናይዚ ኣህጉራዊ ውዳቤ፡ ኣባል ንምኻን፡ ብወጻኢ ጉዳያት ኣቢሉ ክታሙ ኣምቢሩ፡፡ ኣብ ኣፍሪቃ ጎብለል ናይ ምኻን ሕልሚ ዝነበሮ ቃዛፊ፡ ምስ ኢሳይያስ ምሕዝነት ምስፈጠረ፡ ታም ኦይል ዝተብሃለ ኣህጉራዊ ናይ ነዳዲ ካምፓኒ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ጌሩ፡፡ ቃዛፊ፡ ናብ ኣስመራ መጺኡ ወግዓዊ ዑደት ምስ ኣካየደ’ውን፡ ብሓንቲ ሄርኩሎስ ዝተብሃለት ነፋሪትን፡ መርገብ ዝተብሃለት መርከብን፡ ማእለያ ዘይብሉ ማሽነሪታት ንኢሳይያስ ኣረኪብዎ ‘ዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ፡ በዓል ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ፡ ዝሕዝወን ላንድክሮዞራት ውን ካብ ጋዳፊ ዝተመጠዋ ህያባት ኢየን፡፡

ብኡ ንብኡ፡ ኢሳይያስ ምስ ቃዛፊን፡ ሓላፊ ጸጥታ ሊብያ ነበር ዓብዱላህ ሰኑሲን ርክባት ምስ ጀመረ፡ ማዕረ ማዕረ እቲ መስርሕ፡ ዘይሓላፍነታዊ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ክምስርትን፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበሮ ኢድ ምትእትታው ንምዕባይ ድማ ጸጥታዊን ወትሃደራዊን ውዳቤታት ብምትዕርራይ ሓደስቲ መደባት ክሕንጽጽ ተራኢዩ ‘ዩ፡፡ ገለ ክፋል እቶም መደባት ንናይ ኢሳይያስ “ጽግዕተኛ” ኣረኣእያ ዘንጸባርቑ ኔሮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጸጋታት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ንምብሓት፡ ንመንግስቲ ሱዳን “ከም ሓላይን ከም ጸላኢን” ተመሲልካ ዝካየድ ዝነበረ ሽርሒታት፡ እቶም ፈጸምቱ ከይተረፈ ዝደናገርሉ ዝነበረ ውግዓዊ ፖሊሲ ኢዩ፡፡

ኢሳይያስ ጉዳይ ዳርፉር ንምፍታሕ ብዝብል፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ሱዳን ኢዱ ብምንዋሕ፡ ንክልቲኦም ጉጅለታት ብማዕረ ዘሳሲ ፖሊሲ ሓንጺጹ፡ ብሓደ ገጽ ንበዓል ፕረሲዳንት ኣልበሽር፡ ሳላሕ ጎሽን ናፍዕ ዓሊ ናፍዕን “ኣብ ዳርፉር ዘለኩም መርገጺ ቅኑዕን ቅቡልን ኢዩ” ብምባል፡ ኣብ ጎኖም ከም ዝቐውም ክገልጸሎም እንከሎ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ፡ ንበዓል ዶ/ር መስጦፋን መጅብል ከሊልን ድማ፡ “ጉዳይ ዳርፉር ብምትእትታው ስርዓት ዋሽንግተን፡ ኣልበሽር ክፈትሖ ምድላዩ፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ሱዳን ምኻኑ” ይሕብሮም ኔሩ፡፡ ኣብ ኣስመራ፡ በዓል ዓብደላ ጃብር፡ ኣብ ዘዳልውዎ ዋዕላ “ዕርቂ” ሱዳን/ዳርፉር፡ ከም ቅድመ ኩነት ዝቐረቡ 3 እማመታት’ውን፡ ምሉእ ብሙሉእ ብኢሳይያስን ማንኪን ዝተዳለው ኔሮም፡፡ እቶም እማመታት 16 ሚእታዊት ኣብ ስልጣን ምቕረሐ ክህልዎም፡ ንዞባ ዳርፉር ተወሳኺ ናይ 700 ሚሊዮን ዶላር ባጀት ክስላዕ፡ ከምኡ’ውን ግብሪ ዞባ ዳርፉር 50 ሚእታዊት ብቐጥታ ንዳርፉር ክውዕል ዝብሉ ኮይኖም ዓብደላን የማነን ኣብ ክንዲ እቶም ዳርፉር ብቐጥታ ንመንግስቲ ሱዳን ኣቕሪቦም፡፡ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ስርሓት ህዝባዊ ርክባት፡ ክልቲኦም ወገናት ንእማመታት ኢሳይያስ ነጺጎም፡ ነናብ ዝጥዕሞም ፋሕ ኢሎም፡፡

“ጽግዕተኛ ፖሊሲታት” ኢሳይያስ፡ ከም ዘየዋጽኦም ዝተርድኡ ሓለፍቲ ዳርፉርን መንግስቲ ሱዳንን ድማ፡ ንኢሳይያስ ራሕሪሖም፡ ናብ ትራቡሉስ ግዒዞም፡፡ ምሕዝነት ቃዛፊን ኢሳይያስን’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ቂሂሙ፡፡ መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቋት ጉጅለታት ዳርፉርን ድማ፡ ብቃዛፊን ሑሱኒ ሙባረኽን ጥራይ ክላዘቡ መሪጾም፡፡ ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ዘኻዕበቶ መለለዪ ባህሪ እንተሎ፡ “ኣንነትን ምዕባይ ተኽለ ስብእንኡን” (Ostentatious behavior) ኢዩ፡፡ ኣብ ጉዳይ ልዝብ ሱዳን ኩሉ ምስ ፈሸሎ’ውን፡ እቲ ልዝብ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ንምምሳልን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ናይ ዲፕሎማሲ ኣበርክቶ ኣብ ቦትኡ ከምዝኾነ ንምምሳል፡ ዓሊ ዓብዱን ካልኦት ሓለፍትን ኣርካይቭ ኤረቲቪ እንዳገላበጡ፡ ሱዳናውያን ሰላምታ ክለዋወጡን እሱ ከኣ ምስ በዓል በሽር ክዘራረብን እተርኢ ክሊፕ፡ በቢዓመቱ ኣብ መሳኹቲ ኤረ ቴቪ ክመሓላለፍ ክእዝዝ ጸኒሑ፡፡

ብዝኾነ፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዝብ ሱዳን ዘጋጠሞ ፍሽለት፡ ኣብ ከብዱ ኣሕዲሩ፡ ቀጺሉ ክልተ ክፋላት ዘለዎ መደብ ቁጠባዊን ስለያዊን ስርሓት፡ ኣብ ሱዳን ውሽጢ ውሽጢ ክዓምም ህርድግ ኢሉ፡፡ ማዕረ ማዕረኡ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ቅልውላው እንዳተፈተሐ ከይዱ፡፡ እቶም ክልተ ሓለፍቲ (ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን) ኣብ መጽናዕታት ሃጓፋት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፡ ምንጪ ኣታዊታት መንግስቲ ሱዳን፡ ርክባት መንግስቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ሓገዝ ንዕጡቋት ሶማልን ሓርነታዊ ጉጅለታት ኦጋዴንን ተጸሚዶም፡፡

መንግስቲ ግብጺ’ውን፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝነበሮ መርገጺታት፡ ብፍላይ ኣብ ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ፊናንሳዊን ማተርያላዊን ሓገዛት ጀሚሩ፡፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን’ውን ኣንጻር ኢሳይያስ ንዝቖሙ ጉጅለታት ሓገዝ ከምዝገብሩ ይፍለጥ፡፡ መስርሕ ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ዋላ ንቡር እንተኾነ፡ ምስ መጽናዕትን ናይ ነዊሕ ግዜ ስትራተጅካዊ ጠመተን፡ እንተዘይሃሊይዎ ሳዕቤኑ ዝበኣሰ’ዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኢሳይያስ ንኹሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝገበሮ ሓገዝ ከይዓጠጦም፡ በቢዕለቱ እቶም ጉጅለታት’ውን ራሕሪሖምዎ ነናብ ዝጥዕሞም ይግዕዙ ኣለው፡፡ ካብ በዓል ዳሂር ኣዌስ ክሳብ ሞላ ኣስገዶም ዘለው፡ ብመንግስቲ ግብጺን ስርዓት ኢሳይያስን፡ ልዕሊ ዜጋ ተጠሚቶም ተሓብሒቦም ክንሶም፡ ኣብ ቋሕ ሰም ራሕሪሖሞ ሃዲሞም ’ዮም፡፡

ኣብ ምውዳብ ተቓወምቲ ጉጅለታት ሱዳን፡ ኢትዮጳያን ሶማልን ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣሃዱ ምክትታል ዶባትን ዝነበሮም ተሳትፎ ዝለዓለ ‘ዩ፡፡ እዚ ብሃታ ሃታ ዝካየድ ዝነበረ ዘይውርጹጽ መስርሕ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ጽላታት ሃገርና፡ ከቢድ ሃሰያ ኣስዒቡ’ዩ፡፡ ብጀካ እቶም በቢእዋኑ ብወለንታን ብስርሒትን፡ ኣኣብ ሃገሮም ምስተተሓዙ ኣብ ሚዲያታቶም ዝገልጽዎ፡ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ዝተረኸቡ ጸብጻባት፡ ሓገዛት ንተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ካብ 2005 ንደሓር ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ 1542 ኣባላት ዕጡቋት ጉጅለታት ኢትዮጵያ (ብፍላይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኦጓዴንን)፡ 167 ኣባላት ዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል፡ 486 ኣባላት ዕጡቋት ጉጅለታት ሱዳን (ብፍላይ ደቡብ ሱዳናውያን)፡ ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ‘ዮም፡፡ ኣብ ወርሒ 2/2005 ድማ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ምስ ጸጥታ ግብጺ ብሕቡእ ተላዚቡ፡ ኣብ ከባቢታት ሞሎቨርን ጀበል ሓሚድን ዝተዓለሙ፡ ብዳውድ ኢብሳን ትዋት ፓልን ዝተብሃሉ ዝምርሑ፡ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ዕጡቋት ብኸውሊ ብነፋሪት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሉንግቹክን ፒቡርን ዝተብሃሉ ከባቢታት ኣዋፊሮም ‘ዮም፡፡

ጎኒ ንጎኒ እዞም ንዕጡቋት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግበሩ ሓገዛት፡ ፕሮፖጋንዳዊ ማሽነሪታት ኢሳይያስ ድማ፡ “መኸተ፣ ስለ ዘይተጸዓትና፣ ምምሕዳር ወሽንግተን፣ ስርዓት ወያነ፣ ስርዓት በሽር፣ ዘይፍትሓዊ እገዳ…” ብዝብሉ ቃላት ዝወቀቡ፡ ሓያሎ ጎስጓሳት ብኹሉ ኣንፈት ቀጺሎም፡፡ ብሰንኪ ውሳነታት ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ ዘቤታዊን ኣህጉራዊን ዕዮታትና ምስ ማህመኑ፡ ሚዲያዊ ዘመተታት ኤረ ቴቪ፡ ድምጺ ሓፋሽን መርበባትን’ውን፡ ኣብ ዘይጭበጥን ገነታዊን (utopian & fantasy) ትንታነታት ጥሒሎም፡፡ ቁጠባ ሃገርና ኣብ ዘይውድን ፖሊሲታት ኢሳይያስ ተጸሚዱ፡ ፊሲካላዊን ገንዘባዊን ፖሊሲታት ተጠንጢኑ፡ ናይ ትሪያል ኤንድ ኤረር (trial & Error) ተልመዴን ውሳነታት ምስኮነ፡ “ሕኑቕ ዓፍራ የውጽእ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳይያስ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሃጓፋት ክመልእ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ሃብቲ ህዝቢ ክምንጥል፡ ኣብ ፖሊሲታት ወጻእ ድማ ንጎረባብቲ ሃገራት ዘዕኑ ናይ ጽግዕተኛ ተግባራት ክፍጽም ተሸሚሙ፡፡

ወኪል ሃገራዊ ድሕነት መሓውራት ብምስፋሕ፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ዕዮታት ክነጥፍ፡ ኣብ ዝተገብረሉ መድረኽ ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣባላት ጸጥታ ብስም ብርኪ ንብረቶም ዝምንጠሉ ዜጋታት ከጽንዕ፡ ኣብ ወጻእ 2 ሚእታዊት ንኽምእርር እቶት ዜታታትና ከጸናጽን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ሰተፍተፍ ክብል፡ ወደባትና መዕንደሪ ግዳማውያን ክኸውን፡ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገርና ብዘይምዕሩይ ኣገባብ ክምዝመዝ፡ ተገይሩ’ዩ፡፡ ብኡ ንብኡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ከም ኣካል መንግስቲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ረብሓን ድሕነትን ሃገርና ኣተኩሩ ዝዓዪ፡ ኣብ ተራን ዘይሓላፍነታዊን መስርሕ ተሸሚሙ፡ ኩሉ መሓውራቱ ጎቲሙ፡ ብነበር ታሪኽ ዝብለጽ፡ “ብሓለንጊ ሰውራ” ክህድድ ዝፍትን፡ ኣብ ዘቤታዊ ወደኽደኽ ዝተዋፈረ፡ ዓቕሚ ኣልቦ ትካል ኢሳይያስ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ፡፡

እተን ጎረባብቲ ሃገራት ከኣ፡ ነፍሰወከፍ በሰላታተን ጸብጺበን፡ ኣነዋሪ ተግባራት ኢሳይያስ ንኣህጉራዊ ትካላትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ከፍልጣ ኪኢለን ኢየን፡፡ ኪኖ ኣፍልጦን ጸቕጥታት ማሕበረ ሰብ ዓለምን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝካየዱ ሽርሒታት ግን ሕጂ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ፡፡ እቲ ከም በዓል ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን ዓይነት ኣረሜናት ዝተዋፈርሉ፡ ሚሽን ሱዳን’ውን፡ ቀስብቐስ ከምተን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ዝጠፈሻ ሚኒስትሪታት፡ እንዳ ደስከለ፡ ኣብ ንጥፈታት ማሕበረ ኮማት፡ ምውዳብ ደቂ ኣንስትዮን፡ ምስላጥ ኢምባሲያዊ ወረቓቕቲን ጥራይ ካብ ዝሽመም ፡ እንሆ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡ እንተ’ቶም ህግደፋውያን ግን፡ ይትረፍ ዶ ዶብ ሰጊሮም ከም ትማል ዜጋታት ሐሓኒቖም ከምጽኡ፡ ንዕሸላት መዕንገሊ ባኒ፡ ንህዝቢ ማይን ነዳድን ከማልኡ ኣብዘይከኣልሉ መድረኽ ኮይኖም ውን፡ ነታ ሱዳን ሕጂ’ውን፡ “ሻውዐይቲ ዞባና ….ሓለንጊ ሰውራ…” እንዳበሉ ከጉባዕቡዕላ ይፍትኑ’ዮም፡፡ ደድሕሪ በዓል ወዲ ፊተውራሪ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተመደቡ ከም ኣለም ነጋሽ፡ ስዒድ ማንታይ፡ ኢብራሂም እድሪስ፡ ግርማይ ሳንቲምን የውሃንስ ገበረሚካኤል (ጆን)ን ዝኣመሰሉ ወኪላት’ውን፡ በቢዓቕሞም መደባት ኢሳይያስ ክዓዩ ዋላ ደልዓስዓስ እንተበሉ፡ ግዜ ስለዝጠለሞም ዘምጽእዎ ለውጢ የለን፡፡ እቲ ምንታይ ሲ “ዓሳ ካብ ርእሱ ኢዩ ዝጨኑ…” ከምዝብልዎ ለባማት’ዩ፡፡

ክቡራት ተኸታልቲ!
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣድሂበ፡ ብኽፋላት ዘቕረብኩዎ ጽሑፋት ሎሚ ምስ ዝዛዝም፡ ቀጺለ ኣብ ሱዳን ዝተኻየዱ ሽርሒታት ዝምልከት ገለ ካብ ሰነዳት ዝተረኸቡ ጭብጥታት በምውሳኽ’ዩ፡፡

• ደድሕሪ በዓል ዒሳ፡ ፈለማ ናብ ኢምባሲ ሱዳን ደሓር ድማ ናብ ኢምባሲ ደቡብ ሱዳን ዝተመደበ ኣምባሳደር ኣለም ነጋሽ ሰንጋል (ኮ/ል) እውን፡ ብዓቕሙ ኣብ ገለ ስርሒታት ተሳቲፉ ኔሩ፡፡ ካብ ሓፈሻዊ ኣፍልጦይ፡ ኣለም ነጋሽ ኣብ ሕሽክብ ኣብ ክፍሊ ኤምዳድ ዝነበረን ምስ በዓል ዒሳ ኣብ ግርማይካ፡ ከሰላ፡ሰዋኪንን ፖርት ሱዳንን ኣብ ስለያዊ ተግባራት ተመዲቡ ከምዝነበረ እዝክር፡፡ ኣብ 2007 ወርሒ 8 ካብ ኤርትራ ናብ ሶማል ኣብ ዝለኣኽ ኣጽዋር፡ ኣብ ምክትታል ተራ ኔርዎ፡፡ በቲ እዋን ኣለም ነጋሽ፡ ምስ ኮሎኔል መሓመድን ሌ/ኮ ኣታክን ዝተብሃሉ፡ ወትሃደራዊ መኮነናት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብምትእስሳር፡ ዝተፈላለየ ፈኮስትን ማእከለዎትን ኣጽዋራት፡ ብዩጓንዳ ኣቢሎም ናብ ኣል ሸባብ ይልእኹ ኔሮም፡፡ እቶም ክልተ መኮነናት ደሓር ብመንግስታት ሱዳን፡ ካብ መዝነቶም ተኣሊዮም’ዮም፡፡

• ኣለም ነጋሽ ኣብ ሱዳን እንከሎ፡ ኣቐዲሙ ኣካያዲ ስራሕ ኢምባሲ ኤርትራ፡ ኣብ ቻይና ምስ ዝነበረን ደሓር ግን ንኢሳይያስ ዝራሕረሐ መሓመድ ኑር መሓመድ ዝተብሃለ፡ ምስ መንግስቲ ክላዘብ ንምእማን ሰለስተ ግዜ ከምዝጸዓረን፡ ከምዝነጸጎን፡ ኣብ ሓደ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣለም ነጋሽ፡ ንኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ንምእማን፡ ኣብ ሱዳን ቪላ ግሪን ቢሊ ዝተብሃለ ቦታ፡ ከምዝተቋጸሩን ከምዘይመጾን ዝገልጽ ጸብጻብ’ውን ኣሎ፡፡

• ኣለም ነጋሽ፡ ካብ 2002 ክሳብ 2007 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ናብ ሶማል ኣስታት 8 ሻዕ ከም ዝተመላለሰ፡ ካብ ሓለፍቲ ዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል ምስ ሸኽ ሓሰን ሸሪፍ ርክባት ከም ዝገበረ፡ ኣብ 2005 ከኣ 3 ግዜ ምስ ተኽለ ማንጁስን ወዲ በርሀን ብምትእስሳር ምስ ኣልሸባብ ብሓባር ከምዝተራኸቡ ዝገልጹ ሰነዳት ውን ኣለው፡፡

• ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከም በዓል ፍቕረ፡ ሳምሶን፡ መሓመድ ኦሞን ካልኦትን ኣብ ዘጽነተሉ ዝነበረ እዋናት፡ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ሃብታማት ውን ደቂቕ መጽናዕቲ ተገይርሎም፡ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ኣታዊታት ንመንግስቲ ክገብሩ፡ ኣብ ዝወሰንሉ እዋናት ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን (ጁባ)፡ ዩጓንዳ (ካምፓላ)ን ኣንጎላ (ሉዋንዳ)ን ጠመተ ተገይሩ ኔሩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኤርትራውያን ሃብታማት ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘካይድዎ ወፍርታት፡ ምንጪን መጠን ካፒታልን ምስ ተቓወምትን ሱዳናውያንን ወያነን ዘለዎም ርክባትን ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብኢምባሲታት ኣቢሉ መጽናዕቲ ይግበረሉ ኔሩ፡፡ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተዋፈሩ ሃብታማት ድማ፡ ኣለም ነጋሽ መጽናዕቲ ኣዳሊዩ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ሊኢኹ ኔሩ፡፡
ኣብ ጸብጻባት ኣለም ነጋሽ ካብ ዝሰፈሩ ሃብታማት
1) ተኪኤ እዝራ (ወናኒ ብርኪ ስታር ሆቴል)
2) ኣለም ወልደማርያም (ወናኒ ብርኪ ስታር ሆቴል)
3) ተኸስተ ተስፋጽዮን (ወናኒ ብርኪ ጁባ ብርጅ ሆቴል)
4) ብርሃነ ገብረሂወት (ወዲ ኣቶይ- ወናኒ ብርኪ ጁባ ብርጅ ሆቴል)
5) ሃብተ ብርሃነ (ወናኒ ብርኪ ጁባ ብርጅ ሆቴል)
6) በርሀ ኣድሓኖም (በርሀ ጀምስ- ወናኒ ብርኪ ኒዎርክ ሆቴል)
7) ጸሃየ በድሉል ( ወናኒ ብርኪ ኒዎርክ ሆቴል)
8) ኣለም ግርማይ (ወናኒት ኣለም ምግብ ቤት ጁባ)
9) ሰለሙን ኣብርሃ (ሰለሙን ሃርዋ) ኣካፋፋሊ ባቫርያ ናይ ሆላንድ ቢራን በዓል ሰመረ (እንዳዓንሰባ)፡ ዘርኣጋብርን ደሳለን (ኮስቲና ሆቴል) ይርከብዎም፡፡ ካብዞም ሃብታማት ሰለሙን ኣብርሃን ብርሃነ ገብረሂወትን፡ ምስ ኣምባሳደር ኣለም ነጋሽ ፍሉይ ርክባት ከም ዝጀመሩን፡ ሓበሬታ ከምዘስንቕዎን፡ ኣብ ጸብጻባት ሰፊሩ ይርከብ፡፡ (ከም ሳክቲዝም፡ ኣብ ጸብጻባት እዞም ሃብታማት ዝሰፈሩ ዝርዝራት ኩሉ ንምግላጽ፡ ንክብሪ ዜጋታት ኢለ ብዙሕ ከም ዝተቖጠብኩ በዚ ኣጋጣሚ ክገልጸልኩም እፈቱ፡፡)

• ካብዞም ኣብ ደቡብ ሱዳን ትካል ዝገበሩ ሃብታማት ውን ገሊኦም ምስ ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎም እዮም፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ብካልእ ሸነኽ ሱዳን ማለት፡ ብወገን ሓምዳይት ምስ ተኽለ ማንጁስ ብምትእስሳር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ዘኻዕበቱን፡ ምስኡ ክጣልዑ ዝውዕሉን፡ ዝተፈላለየ ሓለፋታት ካብ ዝግበረሎም ሃብታማት፡ “ብዘይዕቃበታት” ዝስዕቡ እፍንወልኩም፡፡

1. ሽመንዲ ክፍለ (ነባሪ ኦሞሓጀር፡ ምስ ተኽለ ማንጁስን ሓምድ ኣደም – ኣሞራን ብምትእስሳር ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝንቀሳቐስን ተሓባባሪ ኣሃዱ ምክትታል ዶባትን)

2. መሓመድ ኣደም ዓፋ (ነባሪ ሓምዳይት ኮይኑ ምስ ተኽለ ማንጁስን ኮ/ል ንጉሰ ዱማን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎን ተሓባባሪ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን)

3. ዘርአጋብር ተስፋስላሰ ዓንዱ (ነባሪ ኦሞሓጀር ምስ ተኽለ ማንጁስን ሌኒንን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎን ተሓባባሪን ምውህሃድ ጉጅለታት ታቓወምቲ ኢትዮጵያ)

4. እድሪስ ፋኪ (ነባሪ ከሰላን ካብቶም ብናይ ሱዳንን ኤርትራን መንነት ሒዞም፡ ብናይ ተኽለ ማንጁስ መካይን ካብ ማእከል ኣስመራ ሰባት ዘውጽኡን፡ ኣብ መሬት ሱዳን ስርሓት ስለያ ዝዓሙ ሓደ’ዩ)

5. ሳልሕ ኣቡ ዓሊ (ነባሪ ከሳላን ምስ ምስ ተኽለ ማንጁስን የናስ ብጹእኣምላክን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎ ተሓባባሪ ክፍሊ ወጻእ ስለያን)

6. እዝራ ስብሃቱ ( ኣብ 3ይ ወራር ናይ ስርሒት 01 “ፋልኮን ኮርፕረሽን” ንብረት “ወያነ ወሲድዎ” ብምባል ምስ ፍሊጶስን ተኽለን ተመሳጢሩ፡ ብሓባር ሚሊዮናት ዝተማቐለ ኣብ ጁባ ውን ምስ ተኽለ ብሕቡእ ትካላት ዘቖመ ተሓባባሪ’ዩ፡፡ ኣብ 3ይ ወራር ረብሓ ዘተኣሳሰሮም ፍሊጶስን ማንጁስን ሕጂ ናይ ኣምላኽ ሰላምታ እኳ ዳርጋ የብሎምን)

• ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስ ኣለም ነጋሽ ርክብ ዝመስረቱ ተባሂሎም ዝተጸብጸቡ ዜጋታት ደ/ሱዳን ድማ፡ ጀነራል ዊያይ ዴምባ፡ ሉዊስ፡ ዲዩም፡ ኣታክን ሳይሞንን ዝትብሃሉ ኣባላት ጸጥታን፡ ሓ/ምክልኻልን’ዮም፡፡

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ንደሓር፡ ቁጠባዊ ዓቕምታቱ ባይታ ምስ ዝበጠ፡ ደቡብ ሱዳን ሪፈረንዱም ምስ ገበረት፡ ካብ ዝኣለሞም ውዲታት ሓደ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብጉዳይ “ናይ ባጤራ ምቕያር፡ ምልውዋጥን ምምላስን” ዝተፈጥረ ምትፍናን ከም ሃጓፍ ተጠቒሙ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ መኽሰብ ረኺቡ’ዩ፡፡ በቲ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ 09 ምስ ወዲ በኺት ምትእስሳር ካብ ዝነበሮም ነበርቲ ከሰላን ተሓባበርትን፡ (መንሱር እድሪስ፡ ስዒድ ኢብራሂም፡ ዓምር ኣልኣሚንን ሓምድ ዓብደላን) ነጋዶ ተመሲሎም፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምውፋር፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ፓውንድ ዓዲጎም፡ ን09 ኣታዊታት ጌሮም ‘ዮም፡፡ በዓል በሓጎስ ኪሻ፡ ወዲ በኺትን ወዲ ፊተውራሪን ድማ ነቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ፓውንድ ተረኪቦም፡ ብመገዲ ከሰላን ካርቱምን ኣቢሎም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብምሽራፍ፡ ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ብምዕዳግን ነቲ ባጤራ ናብ ዶላር ኣብ ምቕያርን ተዋሲኦም ኔሮም፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ! ካብ መጽናዕታት ክሳብ ቅንጸላ፡ ካብ ክትራን ክሳብ ዘይሕጋዊ ምቕያር ባጤራታት፡ ካብ መሸጣ ኣጽዋር ክሳብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዜጋታት፡ ካብ ሓገዝ ንግብረ ሽበራውያን ጉጅለታት ክሳብ ልዝብ ምስ መንግስታት፡ ካብ ምውዳብ ሃሱሳት ክሳብ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ወፍሪ…ኮታስ፡ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንዓመታት ዝተሰላሰለ፡ መደባት ኢሳይያስን ኣሳሰይቱን፡ ዛንታ በጋሚንዶታት ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ኮ/ል መልኣከ ወዲ ፊተውራሪ፡ ኮ/ል ዓንደብርሃን ወዲ በርሀ፡ ኮ/ል ጋይም ተስፋሚካኤል፡ ኮ/ል እምናይ ስሌማን፡ ኣምባሳደራት ዒሳ ኣሕመድ ዒሳን ኣለም ነጋሽን ብሓጺሩ ነዚ ይመስል፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ድሕሪ 2000 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን ተመሳጢሮም፡ ሰሚሞም ዝቐተልዋን ክሳብ ሕጂ ተሪሲዓ ዝተረፈትን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ካርቱም ከም ተሓባባሪት ዝተጠቐሙላ፡ ሓንቲ ጸጋ እትበሃል ነባሪት ከባቢ ኣማራት ስትሪት 17 ከምዝነበረት ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡ ኣብ 7ይ ክፋል ብዛዕባ ርክባት ምስ ኬንያ፡ ዩጓንዳ፡ ግብጽን ሃገራት ካልጅን ከምኡ ውን ሓገዝ ንዕጡቋት ሑቲን ድስኩላት ኣምባሳደራትን ዝምልከት ዝምልከት ሓበሬታ ክፍንወልኩም ኢየ፡፡
ወደሓንኩም!
ከምቲ ልሙድ ንኹሉ ንምብጻሕ ኣብ ሼርን ላይክን ኣይትሕመቑ፡፡

By:SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here