Home SACTTISM ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ነበር ገዲም ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ነበር ገዲም ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡

804
0
SHARE

ካብ 18 መስከረም 2001 ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ንኣስታት 17 ዓመታት ተቐይዱ ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ብምኻን ክሳቐ ዝጸንሐ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለ ድሩዕ፡ ብዕለት 25 ጥሪ 2018 ለይቲ ካብዛ ዓለም ተፈሊዩ፡፡ ብምስምስ “ጉጅለ-15” ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ክብሩን ታሪኹን ተባሕጊጉ ብመለለዬ ቁጽሪ 4 ክርቋሕ ዝጸንሐ ድሩዕ፡ ብሕማማት ሽኮርያ፡ ጸቕጢ ደምን ኩሊትን ክሳቐ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብ 2009 ንነጀው ድማ ክልቲኡ ኣዒንቱ ዓዊሩ መሓውራቶ ጠሊምዎ፡ ኣብ ጸልማት ሸላ ተቐይዱ ክሳቐ ጸኒሑ እዩ፡፡ ሰኣን ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብዘስካክሕ ኩነታት በቢ ሓደ ናብ መቓብር ከምርሑ ዝጸንሑ ኣባላት “ጉጅለ -15” እንሆ ኣብ መወዳእታ ገዲም ተጋዳላይ ድሩዕ ተሓዊስዎም ኣሎ፡፡

ገዲም ተጋዳላይ ሃይለ ወልደተንሳኤ ዕቕቡ (ድሩዕ)፡ ከምቶም ካልኦት ብጾቱ ንቡር ተሓሪሙ፡ ብዕለት 26 ለይቲ ኣብ ሰናጭሮ ዒራዒሮ ብኸውሊ ዝተቐብረ ኮይኑ፡ ኣብ ሓለዋ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ሚኪኤለ ወረደ፡ ትንስኡ ተወልደ፡ ዑስማን ዑመርን መድሃኔ መሓሪን ዝተብሃሉ ሓመድ ኣዳም ከምዘለበስዎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ ንስድራቤቱን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃብኩም ይሃበና እንዳበልኩ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘስዕበልኩም በዚ ኣጋጣሚ ክገልጽ እፈቱ፡፡

By: SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.