Home Video ኤርትራዊ ትውልዲ ከምዘይሰርሕ ኮንፈረስ ኣብ ሽወደን መበል 14 YFDJ 20180329 ...

ኤርትራዊ ትውልዲ ከምዘይሰርሕ ኮንፈረስ ኣብ ሽወደን መበል 14 YFDJ 20180329 ኣግሂድዎ

287
0
SHARE

ኤርትራዊ መንነት ብትውልዲ ዘይኮነስ ብግብሪ ዪ ዝብል ቴማ ህግደፍ ኣብ ናይ ሓሙስ ዕለት 29ን፡ ክሳብ ዕለት 2 April 2018 ስቶክሆልም ሽወደን ዝተኻየደ መበል 14 YPFDJ ኮንፈረንስ ኤርትራዊ ትውልዲ ኣብ ኤርትራ ከምዘይ ሰርሕ ሓደ ካብቲ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣግሂድዎ ኣሎ። ኤርትራዊ መንነት ክህልወካ ወይውን ክዋሃበካ እንተኾይኑ ነተን ግብሪ ዝብልወን ነጥብታት ከተማልኤን ኣለካ። 

  • 2% ዘማለኤ
  • ኣብ ንሕና ንሱ ዝኣመነ (ንሕናን ኢሰያስን)
  • ኣባል ህግደፍ ዝኾነ 
  • ናይ ጣዕሳ ወረቐት ዝመልአ
  • ኣብ መጋበሪያ ህግድፍ ዝተሳተፈ
  • ኣብ ባዓላት፡ ፈስታታት፡ ፈስቲቫላት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ህግደፍ ዝተሳተፈ
  • ትእዛዝ ህግደፍ ዘኽበረ ወዘተ… ገለ ካብቲ ኣጀንዳ ህግደፍ ንብግብሪ ዝምልከት ኢዩ።

መንነታዊ ዜግነት ናይ ሓደ ዜጋ ንናይ ሓንቲ ሃገር ምስ ሃገራዊ ቅዋም ብትውልዲ ዝተኣሳሰረ ናይ ሓደ ዜጋ መስርሕ መንነት ንናይ መንግስቲ ትካል ወዲ ሃገር ምዃንካ መለለይ ኢዩ። ብትውልዲ ዘይምልከቶምን ካብ ካልእ ሃገር ዜግነት ኤርትራዊ መንነት ብሞውስቦ ዘለዎምን፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ንቡዙሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ዜጋ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎም ዜጋታት በቲ ናይታ ሃገር ቅዋማዊ መሰረት ኤርትራዊ ዘግነት ይዋሃቦም። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ሃገራዊ ቅዋም ዘይኮነስ፡ ባርነታዊ መስርሕ ስለ ዝሰርሕ፡ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ልቐቐሎም ስለ ዝኾነ ስርሖም፡ ኤርትራዊ መንነት ብትውልዲ ዘይኮነስ ብግብሪ’ዩ መለለይኦም ስለ ዝኾነ ኣብቲ መበል 14 YPFDJ ኮንፈረንስ ተጨሪሑ ዘሎ ጥቕሲ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here