Home ግጥምታት መርድእ ወርሒ፡ ጉንበት!!!! ብሃይለ ገብረትንሳኤ

መርድእ ወርሒ፡ ጉንበት!!!! ብሃይለ ገብረትንሳኤ

348
0
SHARE

መርድእ ወርሒ፡ ጉንበት!!!!

pastedGraphic.png

መርድእ ወርሒ ግንቦት

ንወለዲ ደቁ ዘስኣነት

ዘይነጽፍ ንብዓት ዘንብዔት

ደቁ ኣሲና ኣብ ብኽያት ዘንበረት

ቀባር ብምስኣኖም ወለዲ ዘሕዘነት

ብኻ ኣይመጸት ወርሒ ጉንቦት

ነዙይ ድዩ ነይሩ እዚ ኹሉ ከርተት።

ዘበነ ጸነተ፡ ዘበነ ባርነት፡

ዘበነ ጥምየት ዘበነ ህልቀት

ኤርትራ ምንም ዘየዕበየት

ዓመት ክቑጸር ብጉንበት

ትኸይድ፡ ትምለስ ታጉንበት

ዝሓለፈ ይድገም ኣብ ጉንበት

ሽፍታ ስርዓት ጥራዕራዕ ይሽመት

እና ራኣያ! ኣዒንቲ ይዕመት

እናእወየ! ወድሰብ ይኽትከት

ረዳኢ ዘይብሉ ህዝብና ይዝመት

ግንቦት ትኸይድ ትምለስ ታጉንበት

ወድሰብይቕዘፍ፡ይመውትሳኣንክተት

ዝመርሕ ተሳኢኑ ሓደ ብዓል ሓሞት

ህዝብና ይነብር ኣብ ሃገሩ ኣብ ባርነት።

ዓመታት ይሓልፍ ብኸርተት

ኣብ ዓዲ ዘሎ ይነብር ብዕስክርነት

ዝኸፈሎ ዘይብሉ ኣብ ባርነት

ዓቕሊ ምስ ጸበቦ ብኸልበትበት

ዕሕሕሕ!! ንዝበል ይእሰር ይኽትከት

ዝጨከን ዓዲ ራሕሪሑ ናብ ስደት።

ወርሒ ጉንበት ትመጽእ ትኸይድ

መንእሰይ ኣእሙሮኡ ሓሳቡ ከየዋድድ

ንእስነት ይውዳእ ቀልጢፉ ይኸይድ

ተመርዒኻ ተዓሰብ በብግዜኡ ይስውድ

ጭኮናን፡ መግዛእትን ኣብ ሃገርና የኹድድ

ምስ ጸበቦ ንስደት ይስጉም የንጎድጉድ።

 

ከብዲ ኣደ ጉራምራ! ክፍል ህዝብና

ኣብ መቓብር ኣሕዋት ዝቑነና

ገልገል ይመርጹ ጨናመና

ሃገር እናበረሰት ይብሉና ሰልጢና

መንእሰይ ሃጽ ይብል ጸጊቡ ይብሉና

ንማእሰርት ከም ፈብሪታት ይነግሩና

ብሓሶት ሲንጋፖር ሃኒጾምልና

ኤርትራ ትነብር ኣብ ሕልምና

መከራ ህዝቢ ዘይግድሶም ኣሕዋትና

ብተበለጽቲ ተቖሪና ሃገርና

ጨካናት በላዕቲ ሰብ ነጊሶሞ! ዓድና።

ዕስራን ሸውዓት ዓመት መርድ ዘይኸብዶ

ዝጸዓንካ እንተጸዓንካዮ ጭቖና ዘየሰንብዶ

ገዛኦም ዘይርከቦ ከም ቀደም ጉድጉዶ

ጥሪት በሪሰን ስኣን ዝሕልወን ኣየ!! ጋዶ!

መጽዓን ጠፊኡ እንከላይ ማእዶ

ወድ ሰብ ይእሰር ፈቐዶ ጎጋድጉዶ

ኣብ ማእሰርቲ ይሓቕቕ ይነድድ ብጉድጉዶ

ናይ ኤርትራ ጉድ ንዓለም ዘሰንበዶ

ኤርትራዊ ኣበይ እሞ! ኣላ ሃገር ዘይተሰዶ

ሓልፍነት ዘይስምዓም ይብሉና ሲኣየኤ ወሰዶ

ጨካን ሕብረተ ሰብ ንህዝቡ ዝሓርዶ

ኢስያስን ሰዓብቱን ንህዝብና ኣንደዶ።

ብላሽ ባጀላትት ኤርትራ

እንተፈታሕካ ጥራሕ ጃህራ

ንምንታይ ከም ዝተማህረ ዘይቐጽራ

ተማሂሩ ዘየብር ኣብ ገነኢ ዝሰፈራ

ንኸብዱ ዝነብር ኣረቂ ምስ ቢራ

ሲንጋፓርዶ! ተሃኒጻ ኣሕዋታ ቐቢራ

ናህና ነገር ዘይብተኽ መፈንጥራ

ሕጂከ ገለን ይዕጠቑ ሰብ ሽራራ

ዲኽነትን ጥምየትን ኣብ ኤርትራ

ከም ሽሮ ቶኽቶኽ ዋዒ ዘሽከርክራ

ባርነት ጸነተ ጥምየት ሃገርና ኣሕረራ።

ኢሳያስን ህግደፍ ዝተኸልዋ ባንደራ

ንህዝባ ዘይትኸውን በጀካ መከራ

ብሓለጊ ጥምየት ሰብ ወዲኣቶ ፈራ

ህዝብና ሰውነቱ ጠውሊጋ ዓቢራ

ኮለነል ኤርትራ ይነብር ኣብ ዓፍራ

ክስዕስዕ ዝሓድር ምስ ህዝጻናት ኣመንዝራ

መግዛእትን ባርነትን ንጭውነት ምስ ቀየራ

ዕስራን ሸውዓት ዘበነ ሕሰም ምስ መከራ!

ዝዓበየን ዝነኣሰ ዝዋረድ ወድ ሰብ ዝይኸብራ

ፍትሕን ሰላም የውርደልኪ ሃገርይ ኤርትራ።

 

ፍትሒ ይንገስ፡ ምልኪ ይፍረስ!!!!!

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ዘብሄረ ሰራየ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያንስ 22ግንቦት 2018

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.