Home Events Dr. Arikana Chihombori-Quoa she has to say

Dr. Arikana Chihombori-Quoa she has to say

1472
0

ኣየ መራሕቲ ኣፍሪቃ፣ ነዛ በላሕ ሰበይቲ ፕረሲደንት ናይ ኣፍሪቃ እንተትኸውን!

ገለ ኣብነታት ካብቲ ጥቕሲ ቃላታ፡
ኣሜሪካ ካብ ባንኪ ዓለም ናይ ገንዘብ ልቓሕ ክትወስድ ብሕሳብ 1.5% ወለድ ትወስድ፣ ኣፍሪቃ ከም ናይ ኣሜሪካ ሓደ ዓይነት ገንዘብ ልቓሕ ክትወስድ ከላ ግን ብሕሳብ 10% ወለድ ትወስድ።

እተን ዕረፍቲ_ዘየድልየን ሃብታማት ሃገራት ዕረፍቲ ናይ ወለድ ክረኽባ ከለዋ፣ እተን ዕረፍቲ_ዘድልየን ድኻታትን ዝዓብያ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃን ግን ዕረፍቲ ይኽላኣ።

ኮነ ኢሎም፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዓዘቕቲ ዕዳ ተሸሚመን፣ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ምዕራባውያን መታን ክነብራ።

ንዓና ብጸሊም ዕዳጋ ካላሽናት፣ M16 ይሸጡልና፣ ምስ ጎረቤተይ፣ምስ ጎዶቦ ዘሎ ሓወይ የዋዱኡኒ፣ንሕና ክንቃተል ክንውዕል ከለና ንሳቶም ማዕድናትናን ሃብትናን ይወስድዎ።

ትፈልጡዶ ኣብ ህልቂት ሩዋንዳ፣
ቤልጁምን ጀርመነን ነቶም 14% ውሑዳት ዓሌት ቱሲ ይድግፋ የዕጥቓ ከምዝነበራ፣ ፈረንሳ ኸኣ ነቶም 85% ዓሌት_ሁቱ ትድግፍ ነቶም ተጋደልቶም ተዕጥቕ ከምዝነበረት ?
ቀሺ ሁቱ ነቶም ፍቕሪ ዝሰብኮም ዝነበረ ምእመኑ ዓሌት_ቱሲ፣ ብዘይ ምሕረት፣ ብዘይ ንሕስያ ኣብ ቤተክርስትያኑ ሓሪድዎም፣ መምህር ንተማሃሩኡ ኣብ ቤት ትምህርቶም፣ ተማሃሮ ንመምህሮም ኣብ ክፍሎም፣ ጎረቤት ንጎረባብቱ፣ ወዘተ ብጎዞሞ ቀቲሎሞም።

ንሕና ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጀርመንን ቤልጁምን ፈረንሳን፣ ክንትሓራረድ ደምና ከም ደም ከልቢ ኣብ ጎደናታት ክፈስስ ከሎ፣ ቤልጁምን ፈረንሳን ወርቂ ናይ ኣፍሪቃ ተሸሊሞም፣ ችኮላታ ናይ ኣፍሪቃ ይበልዑ ኔሮም።

ምዕራባውያን ካብ ዕዳ ክንወጽእ ፣ ካብ ናታቶም ጽግዕተኛታት ምዃን ክንወጽእ ፍጹም ኣይደልዩን እዩም።

ዓወት ኣሜሪካን፣ ኤውሮጳን፣ ኩልሻዕ ኣብ ውድቀት_ኣፍሪቃ ዝተመስረተ እዩ !
ክዕወቱ እንተ ደኣ ኾይኖም ኩሉሻዕ ኣፍሪቃ ክንወድቕን ንሓድ-ሕድና ክንዋደቕን ኣለና። ነዚ ኸኣ እንተ ብጎነጽ እንተ ብዲፕሎማሲ ለይትን ቀትርን ይሰርሑሉ ኣለው።

ስትራተጂካዊ ወሽመጥ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነዚ ምስክር እዩ ! ሶማል ራኣዩ፣ ሱዳን ራኣዩ፣ ዶቡብ ሱዳን፣ ኤርትራ ኢትዮጵያ፣ ኩሉሻዕ ምስ ተሓመሰ ኩሉሻዕ ምስ ተሰደደ !

April 2020

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here